Sunday , May 12 2024

ኣብ ወርሒ ሓምለ፡ ቁጽሪ ሓደጋታት ትራፊክ ጎዲሉ ተባሂሉ

ኣብ ወርሒ ሓምለ፡ 18 ሰባት ብሓደጋታት ትራፊክ ከምዝሞቱ መባእታዊ ሓበሬታ ትካል መጓዓዝያ ሽወደን ሓቢሩ።

ሓደጋታት ትራፊክ፡ ንኽልተ ተኸታተልቲ ዓመታት ምጉዳል ከርኢ ከምዝኸኣለ ይፍለጥ። ኣብ ወርሒ ሓምለ 2018፡ ቁጽሪ ግዳያት ሓደጋታት ትራፊክ 44 ምንባሩ፡ ስዒቡ ድማ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2019፡ ናብ 19 ወሪዱ ምንባሩ ይዝከር።  

ኣብዚ ምዕቡል ዝበሃል ግዜ፡ ኣብ ቀዳሞት ሸውዓተ ኣዋርሕ ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ዘጋጠሙ ሓደጋታት ትራፊክ እቶም ዝወሓዱ ምንባሮም ክብል ኣብ ትካል መጓዓዝያ ሽወደን፡ ናይ ስታቲስቲክስ ክኢላ ዝኾነ ኻባት ኣሚን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

ካብ ወርሒ ነሓሰ 2019 ክሳብ ሓምለ 2020፡ ኣብ ዘሎ እዋን 208 ሰባት ብሓደጋ ትራፊክ ሂወቶም ከምዝሰኣኑን ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ 12 ኣዋርሕ ድማ እቲ ቁጽሪ 276 ምንባሩ ይዝከር።

ኣብ ወርሒ ሓምለ 2020፡ ሓደጋታት ትራፊክ ዘጋጠሞም ሰባት 1328 ነይሮም። እቶም 167 ብኸቢድ እቶም ዝተረፉ 1161 ድማ ብፎኪስ ዝተጎድኡ ነይሮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com