Friday , April 26 2024

ኣብ ዋዜማ ምርጫ ሽወደን፡ ስግኣታት ምዝባዕ ሓበሬታ ኣሎ ተባሂሉ።

ቅድሚቲ ኣብ 11 መስከረም ዝካየድ ሓፈሻዊ ምርጫ ሽወደን፡ እታ ሃገር ገዚፍ ስግኣት ወፍሪ ምዝባዕ ሓበሬታ ከተአንግድ ከም እትኽእል፡ ሓድሽ ኤጀንሲ ስነልቦናዊ ምክልኻል ሽወደን ኣተሓሳሲቡ። እንተኾነ ግና፡ ዛጊት ነቲ ምርጫ ሸቶ ዝገበረ ዝኾነ ዝተዋደደ ገዚፍ ጻዕሪታት ከም ዘይረኣየ፡ ሓላፊ ኤጀንሲ ስነልቦናዊ ምክልኻል ሽወደን ክፍሊ ስርሒታት ሚካኤል ቶፊሰን ገሊጹ’ሎ።

እዚ እናኾነ፡ ሓላፊት ፖሊሲ ሽወደንን ፊንላንድን ዣን ኤልዪድ፡ ሽወደን ብፍላይ ኣባል ኔቶ ንምዃን ሕቶ ምቕራባ፡ ነዚ ናይ ምዝባዕ ሓበሬታ ሓደጋ ካብቲ ንቡር ዝያዳ ወሲኹ ምህላዉ ኣጠንቂቓ’ላ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com