Sunday , May 12 2024

ኣብ ዋዜማ በዓላት፥ ሕማማት ምስትንፋስ ክውስኹ ከም ዝኽእሉ ተገሊጹ

Credit: Christine Olsson och Claudio Bresciani

2023 ተሰናቢትና ሓድሽ ዓመት 2024 ንኽንቅበል ሒደት መዓልታት ጥራይ ተሪፍዎ ኣብ ዘለወሉ ናይ በዓል ዋዜማ ምስ ስርዓተ ምስትንፋስ ዝተኣሳሰሩ ከምኒ Covid-19, ኢንፍሉኤንዛን RSV ብቐጻሊ ክውስኹ እዮም ዝብል ትጽቢት ከምዘሎ ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ሓቢሩ። ይዂንምበር እዚ ተርእዮ ምውሳቕ ኮቪድ-19 ኣብ ህዝቢ ዘየድሊ ሻቕላ ክፈጥር ኣይግባእን ክብል ክኢላ ሕማማት ለበዳ ከምኡ’ውን ተጸዋዒ መንግስቲ ማግኑስ ጊስለን ኣስምረሉ’ሎ። “እዚ ምስፍሕፋሕ ሻቕላ ክፈጥረልና ኣይግባእን። ንኣብነት በዓላት ኣካል ህይወትና ከም ምዃኑ መጠን፥ ከምኡ’ውን ብሓባር ምህላው ጽቡቕ ስለ ዝኾነ በዓልና ክም ቀደምና ብሓባር ከነሕልፎ ንኽእል ኢና” ክብል ጊስለን ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com