Saturday , May 11 2024

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተቐማጦ ስቶኮሆልም ብ ሚልዮናት ዝቑጸር መደቀሲ ከኒናታት ምውሳዶም ተፈሊጡ።

ዝሓለፈ ዓመት ተቐማጦ ስቶኮልም 53 ሚልዮን ከኒናታት መደቀሲ ምውሳዶም ተፈሊጡ። ኣስታት 201,790 ተቐማጦ ስቶክሆልን ካውንቲ ዝሓለፈ ዓመት ሽግራት ድቃስ ንምቅላል ከኒናታት ክወስዱ ከም ዝጸንሑ ካብ ሽማግለ መድሃኒታት ዝተረኽቡ ጸብጻባት ሓቢሮም። በዚ ድም ንገለ ካብዚ መድሃኒት ጨሪስካ ምእጋድ ወይ ምጒዳል ኣድላዪ ምዃኑ ለበዋኡ ወሲኹ ጸብጺቡ’ሎ።

ምክንያቱ ድማ እዚ መድሃኒት ብርክት ዝበለ ጎድናዊ ሳዕቤናት ኣለዎ ዝብል መጽናዕታዎ ድምዳመታት ብምህላዉ እዩ። “እቲ ሓደጋ ካብቲ ዝህቦ ጥቕሚ ዝበዝሕ ኰይኑ ተረኺቡ ብምህላዉ መሸጣ እዞም ኣፋውስ ክንንኪ መደብ ሒዝና’ለና” ክትብል ኣባል ሽማግለ ኣፋውስ ካውንቲ ስቶክሆልም ማትስ ኤክ ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበረቶ ጻንሒት ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com