Saturday , May 11 2024
Credit: Kristoffer Lieng/Sveriges Radio

ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ብ ያታ ዝጸንሐ ኣገባብ ኣደማምጻ ፊደል “ረ” ይቕየር ኣሎ።

እቲ ደቡባዊ ሽወደን ብ ያታ ዝጸንሐ ኣገባብ ኣደማምጻ ፊደል “ረ”፡ ናብቲ ኣብ ዞባ ማእከል ዝዝውተር ኣደማምጻ ይቕየር ምህላዉ ሓደ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ። 11 ዝዕድሜኡ ማክስ ካርልሰን ሓደ ካብ ኣብነታት እዚ ተርእዮ እዩ። ስድራኡ ዳርጋ ኲሎም ከምቲ ናይ ደቡብ ጌሮም ዘድምጹ እኳ እንተኾኑ፡ ንሱ ግና ብዝተፈየ ኣገባብ እዩ ንፊደል “ረ” ዘድምጻ።

ተመሃሪት ማዕርግ ዶክተር ግሬታ ሆርን፡ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ “ስካነ” ዝርከቡ ቆልዑ ድሕሪ ምዝርራብ፡ ኲሎም ን ፊደል “ረ” ከምቲ ኣብ ማእከላይ ሽወደን ዘሎ ኣገባብ ጌሮም ከም ዘድምጽዋ ምርግጋጻ ን ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com