Friday , May 10 2024

ኣብ ድኳናት ግብረ ሰናይ ህያባት ልደት ብናጻ ዝቕበሉ ህጻናት ክብረወሰን ይሕዙ

ንቤት ኣልቦ ኣባላት ሕብረተሰብ ሓገዝ ብምግባር ዝፍለጥ ትካል ግብረ ሰናይ ስታድስሚሽን ሽወደን፡ ኣብዚ ዋዜማ በዓል ልደት ድሌት ዘለዎም ስድራቤታት መጺኦም “ሰከንድሃንድ” ህያባት ብነጻ ዝዕድሉ ድኳናት ሓገዝ ክግበረሎም ከም ዝግባእ ገሊጹ። ብማእከላይ ገምጋም ኣብ ውሽጢ ፍርቂ ሰዓት ሸሞንተ ስድራቤታ ንህጻናት ደቆም ህያብ ንምውሳድ ናብዚ ድኳን ይመጹ’ለዉ። ብምኽንያት ዝቕባበን ክብሪ መነባብሮን ብርክት ዝበሉ ስድራቤታት ንሃገዝ ናብ ሲቪላዊ ማሕበረሰባት የቛምቱ ምህላዎም ነዛ ዓመት ተዘካሪት ዝገብራ እዩ። ጋዜጠኛ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን፥ ምስ ኽልተ ደቃ ህያባት ልደት ክትወስድ ናብ ድኳን ህያባት ልደት ሚሽን ከተማ ስቶክሆልም ንዝመጸት ዩክሬናዊት ስደተኛ ጁልያ ኣዘራሪባ ኔራ። ንሳ ኣብዚ ሕጂ እዋን ስራሕ ከም ዘይብላን ህያባት ንምግዛእ ከም እትሽገርን እያ ትገልጽ። ንሳ ንደቃ ዘድሊ ዝበለቶ ህያባት ሒዛ ድሕሪ ምውጻእ በቲ ኲነታት ከም እተሓጐሰት ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com