Friday , April 26 2024
Izabelle Nordfjell/TT

ኣብ Huddinge ናይ ሓደ ሰብኣይ ሬሳ ምርካቦም ፖሊስ ሓቢሮም።

ፖሊስ ሰኑይ መዓልቲ ካብ ስቶክሆልም ውጽእ ኢሉ ኣብ Huddinge ናይ ሓደ ሰብኣይ ሬሳ ምርካቦም ተፈሉጡ።

እዚ ሰብኣይ ብኢደሰብ ሞይቱ ክኸውን ከም ዝኽእል ዘለዎም ጥርጣረ ገሊጾም ኣለዉ።

ኣፈኛ ፖሊስ Anna Westburg ጠንቂ ሞት እዚ ሰብኣይ ዛጊት ከም ዘይተፈልጠን ፖሊስ ኣፈናዊ መርመራ ምጅማሮምን ገሊጻ’ላ።

ፖሊስ ነቲ ቦታ ገበን ድሕሪ ምኽርዳን ኣድላዪ ዘበለ ናይ ጭብጢ እለሻ ምክያዶም ከኣ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊጾም ኣለዉ።

ብተወሳኹ ኣብ ሚያዝያ 13 ኣብ ደቡባዊ ስቶክሆልም ወዲ 20 ዓመት መንእሰይ ከም እተቐትለ ተገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com