Sunday , May 12 2024

ኣውሮፓዊ ሕብረት፡ ክታበት ጸረ ኮሮና፡ ዕለት 29 ታሕሳስ ከጽድቕ ትጽቢት ይግበረሉ

ኣውሮፓዊ ሕብረት፡ ኣብ 29 ታሕሳስ፡ ክታበት ጸረ ኮሮና ንምጽዳቕ ቀዳማይ ውሳነ ከመሓላልፍ ትጽቢት ተጌሩ ምህላዉ ተገሊጹ። ኣብዛ ዝተጠቕሰት መዓልቲ፡ ውሳነ ንኸነመሓላልፍ ንጽዕር ኣለና ክትብል ኣብ ምክትታል እዚ ክታበት እትነጥፍን ኣባል ኣገልግሎት መድሃኒት ሽወደን ዝኾነትን ሻርሎት ፐርኪስት ሓቢራ።

ነቲ ብኣመሪካዊ ኩባንያ ፕፊዘርን ጀርመናዊ ኩባንያ ባዮንቴክን ዝፈረየ ክታበት ጸረ ኮሮና ዝምልከት ውሳኔ ብበዓልመዚ መድሃኒት ኣውሮፓ (EMA) ክውሰድ ምዃኑን ተፈሊጡ። ኣቐድም ኣቢሉ፡ በዓል መዚ መድሃኒት ኤውሮፓ፡ እዚ ዝተጠቕሰ ክታበት ጸረ ኮሮና፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ፡ ኣፍልጦ ክወሃቦ ምዃኑ ሓቢሩ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ።

እዚ በዓልመዚ ብተወሳኺ፡ ነቲ ብኩባንያ ሞደርና ዝፈረየ፡ ክታበት ጸረ ኮሮና፡ ኣብ ዕለት 12 ጥሪ ኣፍልጦ ክህብ ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ።

እንተ ድኣ፡ ኣብዚ ዝተባህለ ዕለት፡ እቲ ዝተባህለ ክታበት ኣፍልጦ ተዋሂብዎ፡ ናብ ሸወደን ድሕሪ በዓላት ክሪስትማስን ሓድሽ ዓመትን ክበጽሕ እዩ ክብል ኣብ በዓልመዚ ጥዕና ሽወደን፡ ሓላፊ ኣሃዱ ክታበት ዝኾነ ሱረን ኣንደርሾን ሓቢሩ።

ብመሰረት ዎል ስትሪት ጆርናል ዝተባህለ ጋዜጣ፡ እቲ ብኩባንያታት ፋይዘርን ቢዮንተክን ክፈሪ ተወጢኑ ዝነበረ ክታበት ጸረ ኮሮና፡ ካብቲ ተመዲቡ ዝነበረ ብጣዕሚ ከምዝውሕድ ገሊጹ። እተን ኩባንያታት፡ ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት፡ ክሳብ 100 ሚልዮን ዶዝ ክታበት ጸረ ኮሮና ክፍርያ መደብ’ኳ እንተነበረን፡ ብሰንኪ እቲ ዝድለ ቅጥዕታት ዘይምምልኡ፡ 50 ሚልዮን ዶዝ ክታበት ጸረ ኮሮና ጥራይ ክፈሪ ምዃኑ ተፈሊጡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com