Friday , April 26 2024
VINCENZO PINTO//TT

ኣዕራብ ወሽመጥ ዓረብ ንምብጻሕ ጳጳስ ፍራንሲስ ብዓቢ ህንጥዩነት ይቕበሉ።

ኣዕራብ ወሽመጥ ዓረብ ንምብጻሕ ጳጳስ ፍራንሲስ ብዓቢ ህንጥዩነት ይቕበሉ። ኣዚና ኢና ነመስግን። እዚ ኣብ ህይወትካ ምሉእ ዘይርከብ ዕድል እዩ ትብል ፍሊፒናዊት ስደተኛ ረይ አርዊን።

44 ዓመት ዝዕድሜኣ አርዊን ሓንቲ ካብቶም ሰሉስ መዓልቲ ኣብ ኣቡዘቢ ክፉት ዕዳጋ ክርከቡ ዝመጹ ኣስታት 135 ሽሕ ምእመናን እያ።

ኣብኡ እቲ ኣብ ፊሊፒንስ ብ “ሎሎ ኪኮ” ዝፍለጥ ጳጳስ ፍራንቺስስኮ ኣብ ጒዳይ ሰላም ዝተፈላለያ እምነታት ኣመልኪቱ ጽሑፍ ክፍኑ እዩ።

ሰንበት ምሸት ዝኣተወ ጳጳስ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ን 48 ሰዓታት ክጸንሕ እዩ። እዚ ሓላፊ ቤተክርስትያን ካቶሊክ ንመጀመርታ እዋን ኣብ መበቈል እስልምና ዝኾነ ዞባ ምብጻሕ ክገብር ናይ መጀመርታ እዩ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዘኹርዓ ታሪኽ ሃይማኖታዊ ተጻዋርነት ዘለዋ ሃገር እያ። ሸሞንተ ኣብያተ ክርስትያናት ካቶሊክ ኣብታ ሃገር ኣለዋ።

ዖማን ኩዌይትን የመንን ኣርባዕተ ቐጠርን ባሕሬንን ከኣ ሓሓደ ኣለዉወን። ኣብታ ሕሉፍ ናይ ሱኒ እምነት ዝነገሰላ ሃገረ ስዑዲ ዓረብ ግና ካብ እስልምና ወጻኢ ካልእ እምበት ብሕጊ ክልኲል እዩ።

ሰሉስ ንግሆ ክልተ ሽሕ ዝኾና ኣውቶቡሳት ካብ መላእ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብምስፋር ናብቲ ክፉት ዕዳጋ ክወስዳኦም እየን።

ሓደ ካብዞም ናጻ ቲኬት እተዓወቱ ሒደት ተሳፈርቲ ሩቸል ፌርማና እዩ። ፌርማና ኣብ ዱባይ ን ሓሙሽተ ዓመታት ዝተቐመጠ እዩ። ንግሆ ተንሲአ ሽመይ ከም እተረቚሐ ምስ ረኣኹ ደጋጊመ ንጐይታይ ኣመስጊነ።

ኣብዚ ዓዲ ዘለዉ ኣብያተ መሸጣ ህያባት ብናይ ጳጳስ መዘከርታ እየን መሊአን ዘለዋ። ካብ 9.5 ሚልዮን ነበርቲ እዛ ሃገር እቶም ሓደ ሚልዮን ዝጽግዑ ሰባት ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ እዮም።

ኣብ ታሪኸ ጳጳሳት ካቶሊክ ምስ ዓረባዊ ዓለም ዝጸንሖም ዝምድና ድማዊ እዩ ኔሩ ክበሃል ይከኣለ። ጳጳስ ፍራንሲስ ኣብ መንጐ ክልቲኡ እምነታት ንዘሎ ዝምድና ብምምሕያሽ ሓድሽ ምዕራፍ ታሪኽ ክጽሕፍ ባህጊ ኣለዎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com