Monday , May 13 2024
Credit: Henrik Montgomery/TT/Jessica Gow/TT

ኣፈ ጒባኤ ባይቶ ቱርክ ንኖርላን ዝገበረሉ ዕድመ ሰሪዝዎ።

ኣፈ ጒባኤ ባይቶ ቱርክ፡ ንመዘናኡ ሽወደናዊ ኣንደርሽ ኖርላን ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ንኣንካራ ክበጽሕ ዝገበረሉ ዕድመ ሰሪዝዎ። እዚ
ዝገበረሉ ምኽንያት፡ ብምስሊን ቊመትን ፕረሲደንት ዒርዶጋን እተሰርሐ ባምቡላ ኣብ ህንጻ “ሲቲ ሆል ሽወደን” ብእግሩ ጠል ጠል
ኢሉ ድሕሪ ምርኣዩ እዩ። እዚ ፍጻመ ካብ ቱርክ ተሪር ግብረመልሲ ከም እተዋህቦ፡ ሰብ መዚ ቱርክ ኸኣ እዚ ዝገበሩ ሰባት ኣብ
ትሕቲ ቀይዲ ክኣትዉ ምጽውዖም ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።
ሚ/ጒ/ወ ሽወደን ቶቢያስ ቢልስትሮም ነዚ ተግባር ክዂንን እንከሎ፡ ቀ/ሚ ክሪስተርሰን ከኣ እዚ ተግባር ንኣባልነት ሽወደን ናብ
ኔቶ ንምዝራግ ኮነ ኢልካ ዝተገብረ ሽርሒ እዩ ክብል ገሊጽዎ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com