Friday , April 26 2024
Pontus Lundahl/TT

ኤርትራዊ ሽወደናዊ ኣድሓኖም ኣብርሃ ክብረወሰን ማራቶን ሸወደን ድሕሪ 20 ዓመት ሰይርዎ!!

ኤርትራዊ መቦቀል ዘለዎ ሽወደናዊ ኣድሓኖም ኣብርሃ ን 20 ዓመውታት ናይ 42 ኪሜ ክብረወስን ሽወደን ኮይኑ ዝጸንሔ ግዜ ብ 1 ደቒቕን 43 ሰኮንድ ብምምሕያሽ ሓዱሽ ክብረ ወሰን ብሽሙ ኣጽሒፉ። ኣትለት ኣድሓኖም ኣባል ስፖርት ኢስክሊስቱና ኮይኑ ነዚ ሽወደናዊዝቀልጠፈ ኣትለት 42 ኪሜ ክኸውን ዝኽኣለ ብ ቀዳም ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ስቶክሆልም ብምስታፍ ውድድሩ ብ 2:16:48 ብምፍጻም ሻዱሻይ ደርጃ ብምሓዝ  ድሕሪ 20 ዓመት እቲ ዝቀልጠፈ ሽወደናዊ ኣትለት ክኸውን በቒዑ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ማራቶን ስቶኮልም ኢትዮጲያዊ ንጉሰ ሃይለስላሴ ውድድሩ ብ 20:10:10 ብምፍጻም ቅድሚ ሕጂ ብ ከንያዊ ስታንለ ኪባቺ ተታሕዙ ዝነብረ ክብረወሰን ብ 48 ካሊኢታት ብምምሕያሽ ተዓዋቲ ኮይኑ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com