Saturday , May 11 2024

ኤጀንሲ መጓዓዝያ፡ ናይ “A-tractor” ብዝምልከት ዝወጸ ሓድሽ ሕጂ፡  ብተበተብ ዝተገብረ ምዃኑ ተኣሚኑ፡፡

ዘመናውያን መካይን፡ ናብ “A-tractor” ተመሓዪሸን ከም ዝስንዓ ንምግባር ቅድሚ ክልተ ዓመታት ዝወጸ ሕጊ፡ ተበተብ ዝመልኦ ምንባሩ ዳይረክተር ጀነራል ኤጀንሲ መጉዓዝያ ሽወደን ዮናስ ብየልቨንስታም ተኣሚኑ።

“A-tractor”  ኮተቴ ብትሑት ፍጥነት ንኽዝውርወን ተባሂለን ዝተሰንዓ ኮይነን፡ ኣብ ጎደናታት ብብዝሒ ክረኣያ ጀሚረን ምህላወን ዝፍለጥ እዩ።

ፖሊስ ነቲ ሕጊ ዘለዎም ተቓውሞ ክገልጹ ምጽንሖም፡ ከምኡውን ብየልቨንስታም  “እቲ ናይ መርመራ ግዜ ንውሕ ክብል ኔርዎ” ኢሉ ከም ዝኣምን P4 Väst ጸብጺቡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com