Wednesday , May 1 2024

እስራኤል ካብ ውድድር ዩሮቪዥን ኣይክትእገድን እያ ተባሂሉ

Credit: JESSICA GOW / TT

ኣብ መጻረዪ ውድድር ደርፊ ዩሮቪዥን ኖርወይ ዝተዓወተት ኖርወጃዊት ባንድ Gåte፡ እስራኤል’ውን ምስታፋ ቅር ዝብላ እውን እንተኾነ፡ ኣብቲ ዓቢ ውድድር “ክትሳተፍ ከም ዝወሰነት” ትማሊ ሰኑይ ኣፍሊጣ። እቶም ሙዚቀኛታት፡ ነቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ዘካየደቶ ​​ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝቐተለ መጥቃዕቲ “ኢሰብኣዊን ብዝኾነ ክምኽነን ዘክእል እዩ” ክብሉ ተቓውሞኦም ገሊጾም ኣለዉ። ኣባላት እታ ባንድ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ድሕሪ ምዕዋቶም፡ ጊታሪስት ማግኑስ ቦርማርክ ነቲ ብሜሎዲ ግራንድ ፕሪክስ ዝፍለጥ መጻረዪ ውድድር ዩሮቪዥን ዝምውል መንግስታዊ ፈነወ ኤን.ኣር.ኬ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እታ ባንድ ኣብቲ ኲናት ዘለዋ ኣረኣእያ ክትገልጽ ምዃና ኣመልኪቱ እዩ። “ኣብዚ ቅልውላው ድምጽና ብኸመይ ክንጥቀመሉ ከም እንኽእል ኣብ ምልዛብ ብዙሕ ግዜ ኢና ኣሕሊፍና ክብል ንኤን.ኣር.ኬ ተዛሪቡ። “ኣብ ቓዛ ዝፍጸም ዘሎ ጎነጽ ብዝኾነ ስነመጎት ክምኽነ ዝኽእል ዘይምዃኑ ዘሎና ሓሳባት ምግላጽ ክንቅጽል ኢና። እዚ መጥቃዕቲ እስራኤል ደው ክብል ኣለዎ።” ነዚ ውድድር ዘዳሉ ሕብረት ፈነወ ኤውሮጳ (EBU)፡ እስራኤል ንውድድር ሎሚ ዓመት ከምዘይትእገድ ኣዊጁ’ሎ፡፡ ሩስያ ድሕሪ ወራር ዩክሬን ካብቲ ውድድር ምእጋዳ ዝዝከር እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com