Friday , April 26 2024
Foto: Jonas Ekströmer / TT / kod 10030

እቲ ሓድሽ ክሮና ቫይረስ ክሳብ ሕጂ ኣብ ሽወደን ከምዘይተረኽበ ተገሊጹ።

በዓል-መዚ ሕዝባዊ ጥዕና ሽወደን እቲ ሓድሽ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ መጽዩ ዝተባህለ ክሮና ቫይረስ ኣብ ሽወደን ከምዘይተረኽበ ሓቢሮም።

ኣብቲ በዓል-መዚ ሓላፊት ዝኾነት ካሪን ቴግማርክ ዊልሰል እዚ ብዓይነቱ ሓድሽ ዝኾነን 70 ሚታዊት ናይ ምልባዕ ተኽእሎ ዘለዎን ቫይረስ ኣብ ሽወደን ከምዘይኣተወ ንመደበር ቴለቪዝን ስዊድን ብዝልኣኸቶ ኢመይል ሓቢራ።

እሳ ብምቅጻል ከምቲ ዓለምለኻዊ ውድብ ጥዕና እውን ዝኣመነሉ እዚ ሓድሽ ዓይነት ቫይረስ መንቀሊኡ ደቡብ ኣፍሪቃ ኮይኑ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ጀነቲክ ለውጥታት ከምዘለዎ ሓቢራ። እዚ ቫይረስ ኣቀዲሙ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከምዝተረኸበ ይፍለጥ።

ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝተገብረ ምርመራ እዚ ሓድሽ ዓይነት ቫይረስ ልዑል ናይ ምልባዕ ዓቅሚ ከምዘለዎ ክፍለጥ ከሎ በዓል-መዚ ሕዝባዊ ጥዕና ሽወደን ንምዕባለታት እዚ ቫይረስ ብዕቱብ ይከታተሉ ከምዘሎ ሓቢራ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com