Friday , May 10 2024

ከተማ ስቶክሆልም ንሰራሕተኛታት መእለዪ ዓበይቲ መርመራ ከተካይድ እያ ተባሂሉ።

ዞባ ስቶክሆልም ካብ ዝመጽእ ሓሙስ ጀሚራ ኣብ ኣባይቲ መዋእለ ሽማግለታት ንዝዓዩ ሰራሕተኛታት ብፍላይ መርመራ ከም እተካይደሎም ኣፍሊጣ። ኮሚሽነር ጥዕና እታ ከተማ ኣና ስታርብሪንክ ንተሌቪዥን ሽወደን ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ሽወደን ኣብ መርመራ ክንድዚ ምዝሕታላ ዘሕዝን እዩ ኢላ። “ዝያዳ ሰባት ኣብ ምምርማር ክንነጥፍ ኣሎና” ዝበለት ስታርብሪክ “ቀዳምነት ግና ሕሙማት ኣብ ምእላይ ዝርከቡን ምልክታት እዚ ሕማም ዘርእዩን ክኸውን ኣለዎ ንዝብል ኣስሚራትሉ።

ኣብ ስቶክሆልም ካብ ዝትከቡ ሽማግለታት ሓደ ሲሶ ዝኾኑ በዚ ቫይረስ ተታሒዞም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ተሌቪዥን ሽወደን ምሕባራ ዝዝከር እዩ። ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና መርመራ ኮሮና ክሳብ 100 ሽሕ ንምዕባይ መደብ ከም ዘለዎ ምሕባሩ ዝዝከር እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙንኣብ ሽወደን 17 ሽሕ ሰባት መርመራ ከም እተገብረሎም ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com