Sunday , May 12 2024

ካልኣይ ማዕበል ለበዳ ኮሮና እናሃለወ፡ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት፡ለውጢ ከየርኣየ፡ ቀጺሉ

ብመሰረት ጸብጻባት ቤት ጽሕፈት ዕዮ ሽወደን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት 8.7%  ከምዘመዝገበ ሓቢሩ።

ካልኣይ ማዕበል ለበዳ ኮሮና፡ ኣብ ዕዳጋታት ሽቕለት፡ ዝኾነ ዓይነት ጽልዋ ከምዘይፈጠረ መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣስታት 1480 ሰባት ካብ ስራሕ ክሰናበቱ ምዃኖም ከምተሓበሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ 12 ሽሕ ሓደስቲ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት ከምተመዝገቡ ተፈሊጡ። በዚ ድማ፡ ጠቕላላ ድምር ናይ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት 400452 ከምዝበጸሐ ጸብጻባት ቤት ጽሕፈት ዕዮ ሽወደን ሓቢሮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com