Monday , May 13 2024

ካብን ናብን ዮምትላንድ ዝግበር ምንቅስቓስ ናይ ባቡር፡ ካብ ረቡዕ ምሸት ክሳብ ዓርቢ ከቋርጽ ምዃኑ ተፈሊጡ

ካብን ናብን ዮምትላንድ ዝግበር ምንቅስቓስ ናይ ባቡር፡ በረድ ዝዓብለሎ ህቦብላ ክነፍስ ከምዝኽእልን ኣብ ደቡብ ኖርላንድ ድማ ገዚፍ መጠን በረድ ክወርድ ከምዝኽእልን ገምጋማት ሓበሬታ ኩነታት ኣየር ብምግላጹ፡ ካብ ረቡዕ ምሸት ጀሚሩ ክሳብ ዓርቢ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ከቋርጽ ምዃኑ ኩባንያ መጓዓዝያ ባቡራት SJ ሓቢሩ።

እዚ ውሳኔ፡ ነተን ኣብ እዋን ቀትርን ምሸተን፡ ካብን ናብን ከተማ ስቶክሆልም ዝንቀሳቐሳ ባቡራት ዝምልከት ምዃኑ ተሓቢሩ።

ብዛዕባ ኣብ ዝቕጽል ዓርቢ፡ ብመንገዲ ኣውቶቡሳት ዝግበር ምንቅስቓሳት ዝተዋህበ ውሳኔ እኳ እንተዘየለ፡ ኩባንያ SJ ግን፡ ነቲ መዓልቲ ዝኸውን ትኬት ካብ ምሻጥ ደው ኢሉ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ብኻልእ ወገን፡ ካብን ናብን ሱንድስቫል (Sundsvall)ን ስቶርሌን (Storlien)ን ዝግበሩ ምንቅስቓስ ናይ ባቡር ዘማሓድር ኩባንያ ኖርቶግ (Norrtåg) ክሳብ ሎሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዘሎ ግዜ ንምቁራጽ መጓዓዝያ ባቡር ኣመልኪቱ ዝሃቦ ውሳኔ ከምዘየለ ተፈሊጡ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com