Sunday , May 12 2024
Foto: Jessica Gow / TT kod 10070

ካብ መካነ እንስሳ ዘምለጠ ኮብራ ሃለዋቱ ተፈሊጡ።

ቅድሚ ሰሙን ካብ መካነ እንስሳ ስካንሰን ዘምለጠ ተመን ኮብራ ሃለዋቱ ተፈሊጡ። እቲ ኮብራ ብድሕሪ መንደቕ ሓጹር እቲ መካነ እንስሳ ብካሜራ ከም እተረኽበ ኣካያዲ እቲ መካነ እንስሳ ዮናስ ቫልምስትሮም ገሊጹ’ሎ። ቫልምስትሮም ን ጋዜጣ “ዳገንስ ንሂተር” ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እቲ “ሰር ቫዝ” እንተባህለ ዝጽዋዕ መርዛም ተመን ብፍሉያት ናይ ቱቦ ካሜራታት ሃለዋቱ ክርከብ ከም እተኻእለ ኣመልኪቱ’ሎ። ነቲ ተመን ከይህሰ ኩሉ ጥንቃቐታት እናገበርና፡ ነቲ ተሓቢእሉ ዘሎ መንደቕ በሲዕና ናብ ቦትኡ ክምለስ ክንገብር ኢና ክብል ቫልስትሮም ምግላጹ ኣገልጎት ዜና ተተ ሓቢሩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com