Saturday , May 11 2024
Credit: Henrik Montgomery/TT

ክሪስተርሰን፡ ቱርክ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ዝኾነ ጒዳያት ትሓተና’ላ።

ሽወደን ኣባል ኔቶ ንኽትከውን ካብ ቱርኪ ቀጠላ መብራህቲ ትጽበ ምህላዋ፡ እንተኾነ ግና ሽወደን ኲሉ ቱርክ ዘቕረበትላ ጠለባት ክትፍጽመላ ክትጽበ ከም ዘይግባአ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሰን ኣብዚ ቀዳመ-ሰንበት ገሊጹ። ሓደ ካብዚ ሽወደን ከም ዘትፍጽሞ ዘፍኣመቶ ጠለባት ቱርክ ንሳ እትደልዮም ሰባት ሽወደን ኣሕሊፋ ክትህባ ዝብል እዩ።  ዋና ጸሓፊ ኔቶ የንስ ስቶለንበርግ ብወገኑ ሽወደንን ፊንላንድን ዘድሊ ቅጥዕታት ብምምልአን ቱርክ ዘድሊ ምትሕብባር ክትገብር ብኣጽንኦት ተላብዩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com