Sunday , May 12 2024
TT (AP Photo/Sakchai Lalit)

ክታበት ኮቪድ 19 ስጋብ ሕጂ ዘይበጽሔን ሃገራት ኤውሮጳ ከምዘለዋ ተግሊጹ

ብመሰረት ውሳኔ ሕብረት ኤውሮጳ ክታበት ጸረ ኮቪድ 19 ካብ ዕለት 27 ታሕሳስ ናብ ኩለን ኣባላት ሃገራት ክባጻሕን ክታበት ክጅምር ዝተወሰነ ኮይኑ፣ ስጋብ ሕጂ ግን ስጳኛ ትርከበን ሸሞንተ ሃገራት ኣባላት እዚ ሕብረት ከምዘይ በጽሔን ሓቢሩ። እዚ ዝኾነሉ ምስ ትራንስፖርት ዝተትሓሓዘ ጸገም ከምዝኾነን ናይ ስጳኛ ግን ምስ ኩነታት ኣየር ዝተሓሓዘ ኮይኑ ኣብ ምጽዓንን ምርጋፍን ዘምጼኦ ጸገም ከምዝኾነ ሰብ መዚ ጥዕና ስጳኛ ይገልጹ።

ስጳኛ ሰሙናዊ ኣስታት 35000 ዝዓቐን ብልቃጥ ፕፋይዘር ንዝመጽእ 3 ወርሒ ብጽሒት ከምዘለዋ ኣብ ቀረባ እዋን ንኹሉ ክባጻሕ ምኻኑን ሰብ መዚ ጥዕና እዛ ሃገር ገሊጾም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com