Friday , April 26 2024

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ኣብ ግጭት ትግራይ ነጻ መርመራ ሰብኣዊ መስል ክግበር ጸዊዑ።

ንመሰል ደቂ ሰባት ዝከታተል ኮሚሽን ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኪናት ትግራይ ፡ ኣንጻር ሰለማውያን ሰባት ዝቀንዐ ጃምላዊ ቅትለትን ወተሃደራዊ መጥቃዕትን ዘጠቃለለ ፡ ወተሃደራዊ ገበናት ከም ዝተኻየዱ ዘረጋግጽ ጸብጻባት ተረኺቡ ከም ዘሎ ስለ ጸረጋገጸ ፡ ፍሉይ ናይ መርመራ ጉጅለ ንምልኣኽ ኩነታት ከጣዓዕም ጻውዒት ቀሪቡ ከም ዘሎ ዳይርክተር እቲ ኮሚሽን ፡ ሚሸሊ ባቸለት ብወግዒ ሓቢራ። እቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ እዞም ዝሓለፉ ሸውዓተ ሳምንታት ፡ ሕጊ ንምኽባር ብዝብል ጉልባብ ዝተወልዐ መጠነ ሰፊሕ ኪናት ፡ ብደቂቅ ክከታተል ከም ዝጸንሐ ብዝተፈላለዩ ወገናት ብፍላይ ከኣ ፡ ወትሃደራት መንግስትን ተሓባበርቱን ምልሻን ካልኦት ኣብ እቲ ውግእ ዝተሳተፉ ወገናትን ፡ ጃምላዊ ቅትለት ሰለማውያን ሰባት ብደገፍቲ ህዝባዊ ሓርነት ትግራይ ከይተረፈ ፡ ተጌሮም ዝብሃሉ ቅትለት ሰለማውያን ሰባት ክጻረ ምእንታን ጡጡሕ ናይ መርመራ ሃዋህው ፡ ኩሎም ወገናት ክተሓባበሩ ግዴታ ምኻኑ እታ ዳይርክተር ኣገንዚባ።

እቲ ቀንዲ ናይ እዚ ኪናት ተሓታቲ ዝኾነ ፈደራላዊ መንግስቲ ፡ ኣብ ትግራይ ኩሉ ዓይነት መራኸቢታት ብምዕጻው ፡ ሓበሬታ ክረክብ ኣብ ርእሲ ዘይምኽኣሉ ፡ ናይ ኩሉ ወገናት ድምጺ ንምርካብ ጸገም ኮይኑ ከም ዘሎን ፡ ንዘይ ሻራዊ መርመራ ቀንዲ ዕንቅፋት ከም ዝኾነ ይእመን። ኣብዚ እዋን እዚ ኩሉ ዓይነት ሓበሬታ ኣብ ትግራይ ስለ ስለ ዝተዓጽወ ፡ በቲ ንበይኑ ናይ ፈደራል ዝወሃብ ሓበሬታ ሓቂ ንምፍላጥ ኣሸጋሪ ኮይኑ ስለዘሎ ንነጻ ኣካላት ክኽፈት እታ ኮሚሽነር ኣተሓሳሲባ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com