Friday , April 26 2024
Stina Stjernkvist/TT

ወዲ 23 ዓመት መንእሰይ ብፈተነ ቅትለት ይኽሰስ!

ወዲ 23 ዓመት መንእሰይ ብፈተነ ቅትለት ተኸሲሱ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ እዩ።

ንሱ ንሓደ ሰብኣይ ብስሕለት ብምጥቃዕ ብልዕቱ ከም ዝቐንጅሖ ቦራስ ቲድኒንግ ጸብጺቡ።

እቲ መጥቃዕቲ ሕዳር 17 ምሸት እዩ ኣጋጢሙ። እዚ ወዲ 23 ዓመት መንእሰይ ምስ ኣፍቃሪቱ ከይተዓደመ ናብ ቤት ተጠቃዓይ ኣተወ።

“ፍጹም ምኽንያት ኣልቦን ኣይረድ ዘብልን ገበን’ዩ” ይብል ግዜያዊ ዋና ዓቃቢ ሕጊ ኦፌ ዣፈርቫል ንጋዜጣ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ።

እቲ ግዳይ ድሕሪ’ቲ ዘጋጠሞ መድመይቲ ኣብ ሆስፒታል ትዓቚቡ ይርከብ።እቲ መቚሰልቲ ኣብ ዝመጽእ ህይወቱ ብኸመይ ክጸልዎ እዩ ዝብል መርመራ ገና ይቕጽል ኣሎ።

” ነቲ ቊስሊን መጠን ሓድጋኡን ” ዝገልጽ ምስክር ወረቐት ካብቲ ዝሕክሞ በዓል ሞያ ተረኪበ ኣለኹ።

እዚ ስብኣይ ቊስሉ ነባሪ ሽግር ክፈጥረሉ ድዩ ኣይፋሉን ገና ካልኦት ዶክተራት ክምርምርዎ እዮም” ይብል ኦፌ ዣፈርቫል።

ድርኺት ገበነኛ ዛጊት ኣይተፈልጠን፡ ግና ደይ መደይ ኢሉ ዝፈጸሞ እዩ ዝብል ዝኾነ ምልክት ኣይተረኽበን ይብሉ ፖሊስ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com