Sunday , May 12 2024

ውድባት ኣከባቢ “”እዚ ጒዳይ ኣቓልቦና ካብ ኣዝዩ ኣገዳሲን ልዝብ ዘድልዮን ዛዕባ ከነላግስ ክገብረና እዩ”

ውድባት ኣከባቢ ነቲ ኣብ ተወሰኽቲ ቦታታት ዝያዳ ኑክሌራዊ ሪኣክተራት ክህነጻ ዘፍድ ሕጊ ክወጽእ ዝብል ብመንግስቲ ሽወደን ዝቐረበ እማመ ከም ዝቃወማ ገሊጸን።  ኑክሌራዊ ጸዓት ናይ ባዕሉ ሽግራት ሒዙ ከም ዝመጽእ፡ ን ቅልውላው ጸዓት ፍታሕ ከም ዘይከውን፡  ነቲ ለውጢ ክሊማ ንምቅላስ ዝግበር ዘሎ ጻዕርታት ካብ ምድንጓይ ዝሓልፍ ምንም ካልእ ረብሓ ከም ዘይብሉን ብምግላጽ ነዚ እማመ ዘለወን ተቓውሞ ኣስሚዐን።

“እዚ ጒዳይ ኣቓልቦና ካብ ኣዝዩ ኣገዳሲን ልዝብ ዘድልዮን ጒዳያት ከነላግስ ክገብረና እዩ” ክትብል ኦሃና ኣንዳል ካብ ዕቃበ ኣከባቢ ተፈጥሮ ሽወደን ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com