Friday , April 26 2024

ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ካብ ሞራላዊ ውድቀት የጠንቅቅ

ድኻታት ሃገራት ዓለምና እንዳ ተሳቐያ፡ ሃብታማት ሃገራት፡ ንክታበት ኮሮና ንኽውንና ላዕልን ታሕትን ምባል እንተድኣ ቀጺለን፡ ዓለምና፡ ናብ ሓደገኛ ዝኾነ ሞራላዊ ውድቀት ገጻ ክተምሕ ምዃና ኣቦወንበር ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ገሊጹ።

ሃብታማት ሃገራት ዓለምና፡ ንውልቀን ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዛዕባ እተን ድኻታት ዝኾና ሃገራት ክሓስባ ኣለወን። ብተወሳኺ፡ መድሃኒት ክታበት ናብ መላእ ዓለም ብመንገዲ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ኣቢሉ ንኽፍቀደለን ዝጽዕራ፡ ነተን ክታበት ዘፍርያ ኩባንያታት ብመንገዲ መንግስታት ናይ ሃብታማት ሃገራት ኣቢሉ ድጎማ እንተዝግበረለን ምበለጸ ይብል።

ብመሰረት  ጸብጻባት ዶ/ር ቴድሮስ፡ 39 ሚልዮን ዶዝ ክታበት ኮቪድ-19 ናብ 49 ልዑል ኣታዊ ዘለወን ሃገራት ክውዛዕ እንከሎ ኣብ ሓንቲ ካብተን ዝተሓተ ኣታዊ ዘለወን ሃገራት ድማ 25 ዶዝ ክታበት ኮቪድ-19 ጥራይ ተዋሂቡ።

25 ሚልዮን ዘይኮነ፡ 25 ሽሕ ዘይኮነ 25 ሓባ ጥራይ ምዃኑ  ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ቅድሚ ኣኼባ ቦርድ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ኣብ ጀኔቫ ኣብ ዝሃቦ ቃል ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com