Friday , May 10 2024
Betaltjänsten Klarna har vuxit under året. Bolaget redovisar totala intäkter på 10 miljarder kronor för 2020, mot 7,1 miljarder kronor 2019. Foto Carl-Olof Zimmerman / TT kod 12050

ዓማዊል ባንክ ይሮት (Bank girot)፡ ክልተ ግዜ ከምዝኸፍሉ ኮይኖም

ክላርና (Klarna) ዝተባህለ ናይ ክፍሊት ኣገልግሎት፡ ብሰንኪ ዘጋጠሞ ቴክኒካዊ ጸገማት ገለ ካብ ዓማዊሉ፡ ዕጽፊ ክፍሊት ከምዝኸፈሉ እኳ እንተሓበረ፡ ድሒሩ ግን፡ እቲ ዘጓነፈ ጸገም፡ ኣብ ባንክታት ኖርድያን (Nordea) ባንክይሮትን ( Bankgirot) ምንባሩ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ዝሓለፈ ረቡዕ፡ ዕለት 21 ሓምለ፡ ኤሌክትሮኒካዊ መስርሕ ኣገልግሎት ናይ ኖርድያ ድሕሪ ዘጋጠሞ ጸገማት፡ ብመንገዲ ባንክይሮት ዝካየድ ዝነበረ መስርሕ ገንዘባዊ ምንቅስቓስ (transactions) ከምዝተጸልወ፡ ጋዜጣዊ ወሃብ ቃል ኖርድያ፡ ናብ ማዕከን ዜና ተተ ኣብ ዝለኣኾ ኢ-መይል ገሊጹ።

እቶም ዕጽፊ ክፍሊት ዝኸፈሉ ዓማዊል፡ ክሳብ ሕጂ፡ ከይተሓበሩ ምጽነሖም፡ እቲ ዝተኻየደ መስርሕ ክፍሊት፡ ድሒሩ ከም ዝካየድ ተገይሩ ክኸውን ስለዝኽእል እዩ።

እቲ ኣጋጢሙ ዝጸንሐ ጸገማት፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ተፈቲሑ ከምዘሎን፡ ኖርድያን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን፡ ነቲ ብሰንኪ እቲ ጸገም ዝሰዓበ ግጉይ መስርሕ ገንዘባዊ ምንቅስቓሳት፡ ንኽእልርምዎ ይሰርሑ ምህላዎም፡ ጋዜጣዊ ወሃብ ቃል ኖርድያ ባንክ ገሊጹ።

ናይቶም ዕጽፊ ክፍሊት ከም ዝፈጸሙ ዝተገብሩ ዓማዊል፡ ገንዘብ ክሳብ ዝምለሶም፡ ሰለስተ ናይ ስራሕ መዓልታት ዝኣክል ግዜ ክወስድ ከምዝኽእል ንትካል ክላርና ዘመሓላለፎ ሓበሬታ ምርኩስ ብምግባር፡ ኣፍቶንብላደት ኣብ ጸብጻቡ ኣቕሪቡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com