Saturday , May 4 2024

ዓምዲ ሓንቲ ዓለም “ኣንበሳ”


ኣንበሳ ንጉስ እንስሳታት ኢዩ ይብሃል። ስለምንታይ ኢዩ ንጉስ እንስሳታት ተባሂሉ ኺጽዋዕ ዝኸኣለ?
1 ካብ ኩሎም እንስሳታት ዝሓየለ ስለ ዝኾነ።
2 ከም ንጉስ ኵሩዕ ስለ ዝኾነ።
ኣንበሳ ዳርጋ ምስ ኩሎም እንስሳታት ተቃሊሱ የሕምቖም ኢዩ። ሓድሓደ ግዜ ንዘራፍን ንሓርማዝን እውን
ይገጥመለን ኢዩ። ግንከ፡ ኵሩዕ ስለ ዝኾነ፡ ባዕሉ ኣይሃድንን። ናብቲ ኣንስቶት ሃዲነን ዘምጽኣሉ ጠለበዱ ወይ ኣድጊ-
በረኻ ከይዱ ኮፍ ኢሉ ኢዩ ዚበልዕ። ንሱ ኪበልዕ ከሎ፡ እተን ኣንስቶት እቶም ደቁን ስለ ዚፈርሁዎ ምእንቲ
ከይውድኡሉ ተጠንቂቖም ኢዮም ዚበልዑ።
ኣንስተይቲ ኣንበሳ ዋዕሮ ትብሃል። እቲ ተባዕታይ ፋረ ኪህሉዎ ኸሎ፡ ንሳ ግን የብላን።
ኣንበሳ ብብዝሒ ኣብ ኣፍሪቃ ይርከብ። ይኹንምበር፡ ኣብ እስያ እውን ይርከብ ኢዩ። እቲ ኣብ ሃገር ህንዲ ዚርከብ
ተባዕታይ ኣንበሳ፡ ከምቲ ናይ ኣፍሪቃ፡ ፋረ የብሉን።
ኣንበሳ ዓሌት ድሙ ኢዩ። ኣዝማዱ ድማ ብዘይካ ድሙ፡ እተፈላለዩ ዓይነት ኣናብር ኢዮም።
ኣንበሳ በሊዑ ምስ ጸገበ፡ ኣይጓዳእን ኢዩ። ምስ ዚጠሚ ግን፡ ወላ ሰብ ከይተረፈ’ውን ይበልዕ።
ኣብ ምዕቡላት ሃገራት፡ ኣንበሳ ኣብ ሰርክስ ኮይኑ ብዙሕ ምርኢታት የቕርብ። በዚ ምኽያት’ዚ ድማ ነኣሽቱ ቘልዑ
ይፈትውዎ።
ኣንበሳ ኣብ ብዙሕ ናይ ሃገራት ባንዴራን ባጤራን ተወቒሩ ወይ ተሳኢሉ ይረአ። ናይ ቀደም ነገስታት ድማ፡ ንነብሶም
ከም ኣናብስ ገይሮም ይቘጽሩዋ ስለ ዝነበሩ፡ ኣብቲ ኣብያተመንግስቶም ናይ ኣንበሳ ቕርጽታትን ሓወልትታትን
የቐምጡ ነበሩ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዓለምና፡ ኣእዋም እናበረሰ ይኸይድ ብምህላዉ፡ ከም ኣንበሳን ነብርን ዝብእን ዝኣመሰሉ
ኣራዊት እናጠፍኡ ይኸዱ ኣለዉ። ይኹንምበር፡ ኣብ ፓርክ ወይ ኣብ ዙ (መካነ እንስሳ) ስለ ዚርከቡ፡ ህጻናት ናብኡ
ኸይዶም ኪርእዩዎም ይኽእሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com