Saturday , May 11 2024

ዘወርቲ ታክሲ “ቦልት” ን “ኡበር” ን ኣድማ ኣካዪዶም።

ዘወርቲ ታክሲ “ቦልት” ን “ኡበር” ን፡ ዘይርትዓዊ ንዝበልዎ ክፍሊትን “ቅድመ ኲነት” ን ኲባንያታት ብምቅዋም ትማል ኣብ ስቶክሆልም ኣድማ ኣካዪዶም። እዘን ኲባንያታት ነዞም ኣውቲስቲ ከም ሰራሕተኛታተን ከም ዘይሕሰብኦም፡ ዝኾነ ውክልና ማሕበር ከም ዘይብሎምን ውህሉል ስምምዕ ክፍሊት ከም ዘይገብሩን ዝፍለጥ እዩ።

“ኣብ ሰሙን ካብ 6-7 መዓልታት፡ ካብ 10 ክሳብ 13 ሰዓታት ንመዓልቲ እዮም ዝሰርሑ፡ እንተኾነ ግና ኣታዊኦም ቀረጽ ከይሓወስካ 18000 ክሮና ጥራይ እዩ” ክብል ነዚ ኣድማ ካብ ዘዳለወ ማሕበር ታክሲታት ዮን ቫን ዲንተር ን ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com