Friday , April 26 2024

ዘወርቲ ኣውቶቡሳት ተወሳኺ ስልጠና ምዝዋርን ድሕነትን ክወሃቦም ምዃኑ ተገሊጹ።

ኣገልግሎት መጓዓዝያ ሽወደን ድሕሪ’ቲ ብሰንበት ዘጋጠም ምፍንጃር ገለ ለውጢታት ክገብር እዩ ዝብል ትጽቢታት ምህላዉ ተገሊጹ።

ዳይረክተር ኣገልግሎት መጓዓዝያ Michael Svensson “እዚ ኣጋጣሚ ፈጺሙ ክድገም የብሉን” ድሕሪ ምባል ዘወርቲ ኣውቶቡሳት ናይ 13 መዓልቲ ተወሳኺ ስልጠና ምዝዋርን ድሕነትን ክወሃቦም ምዃኑ ሓቢሩ’ሎ።

እዚ ሓደጋ ዘጋጠመ ኣውቲስታ ነዳዲ ገዲፉ ጋዝ ክጥቀም ብምጅማሩ ኮይኑ እታ ኣውቶቡስ ምሉእ ብምሉእ ከም እተቓጸለት ተፈሊጡ።

ኣብ እዋን ምፍንጃር ምንም ተሳፋራይ ዘይምንባሩን ኣውቲስታ ኣብ ሆስፒታል ሕክምና እናተገብረሉ ከም ዝርከብን ተገሊጹ’ሎ። 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com