Saturday , May 18 2024

ሽወደን ሻምፕዮን ዓለም ን9ይ ግዜ ብተኸታታሊ

ጋንታ ፍሎርቦል ደቂ ኣንስትዮ ኲዕሶ እግሪ ሽወደን ድሕሪ ህልኽ ዝመልኦ ጸወታ ኣብ ልዕሊ ፊንላንድ ተዓዊታ። ኣብ ቀዳማይ እብረ ሽወደን 6 ብ 0 መሪሓ። ካልኣይ እብረ ዝያዳ መሳጢ ዝነበረ ኮይኑ፥ ኖርወይ 4 ሸቶታት ኣመዝጊባ እያ። እንተኾነ ሽወደን ኣብዚ ዳሕረዋይ ጸወታ እውን መሪሕነት ሒዛ ግጥም 6 ብ 4 ተዛዚሙ’ሎ። በዚ ድማ ሽወደን ብተኸታታሊ ን 9ይ ግዜ ሻምፕዮን ኲዕሶ እግሪ ምዃና ኣረጋጊጻ’ላ ብመሰረት …

Read More »

ሽወደን ንዩክሬን ተወሳኺ 1.4 ቢልዮን ክሮና ፍይናንሳዊ ደገፍ ትገብር

ሽወደን ንዩክሬን 1.4 ቢልዮን ክሮና ብምልጋስ ንሲቪል ህዝቢ ዩክሬይን ኣብዚ ክረምቲ ክትሕግዛ ምዃና ተፈሊጡ። እቲ ገንዘብ ብቐንዱ ንመውዓዪ፣ ንጸዓት ኤሌክትሪክ፣ መጽለልን ክንክን ጥዕናን ዝውዕል እዩ ተባሂሉ’ሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሰንን ሚኒስተር ኣህጉራዊ ምትሕብባርን ልምዓትን ዮሃን ፎርሰልን ነቲ ናይ ደገፍ ፓኬጅ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ እዮም ዕላዊ ጌሮም ዘለዉ።

Read More »

ሽወደናዊ ኣብ ኢራን ናብ ፍርዲ ቀሪቡ

ኢራን ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ኣብ ዲፕሎማስያዊ ኣገልግሎት ሕብረት ኤውሮጳ ዝሰርሕ ዝነበረ ሽወደናዊ ዮሃን ፍሎደሩስ ናብ ፍርዲ ከምዘቕረበት ገሊጻ። ዮሃን ፍሎደሩስ ንእስራኤል ብምስላይ ንጸጥታ ኢራን ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ ተባሂሉ እዩ ብኢራን ተኸሲሱ ጸኒሑ። እቲ ክሲ ብመሰረት ስርዓተ ፍትሒ እታ ሃገር ብሞት ከቕጽዕ ዝኽእል እዩ። እንተኾነ ግና እቲ መስርሕ ፍርዲ ዝተናውሐ ኮይኑ መዓስ ከም ዝቕጽል ንጹር ኣይኮነን። መንግስቲ ሽወደን እቲ ክስታት ”መሰረት …

Read More »

ኤችኤስ፡ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ፊንላንድ ዝርከባ ኣውቶቡሳት ሓሙስ ደው ክብላ ይኽእላ እየን።

ማሕበር ሰራሕተኛታት መጓዓዝያ ፊንላንድ (AKT) ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝዓበያ ከተማታት ፊንላንድ ኣገልግሎት ኣውቶቡስ ደው ዘብል ኣድማ ክገብር መደብ ከምዘለዎ ሄልሲንጊን ሳኖማት ዝረኸቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ማሕበር ሰራሕተኛታት ፊንላንድ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሓደ መዓልቲ ኣገልግሎት ባቡር ከተማ፣ ሜትሮን ባቡርን ደው ዘብል ኣድማ ከምዘካይድ ኣፍሊጡ ኔሩ። ኣብ ትራንስፖርት ዞባ ሄልሲንኪ (HSL) ሓላፊ ርክብ ዮሃንስ ላይቲላ፡ እቲ ኣድማታት ብሓንሳብ እንተተፈጺሙ፡ ኣብ ዞባ ርእሰ ከተማ …

Read More »

ባንክታት ን ዝውውር ክፍሊት ኣፕ ክድርታ ተኽእሎ’ሎ

ብመንገዲ ሞባይል ክፍሊት ኣፕ ስዊሽ ብዙሕ ገንዘብ ንዝልእኩ ዓማዊል ባንክታት ኣብ ቀረባ እዋን ዝያዳ መሰናኽላት ከጋጥሞም ይኽእል እዩ ተባሂሉ። ማሕበር ባንከኛታት ሽወደን ነዚ ተርእዮ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ባንክታት ምትላል ደው ንምባል ገለ ጸጥታዊ ስጉምትታት ከጽንዓ ተኽእሎ ከምዘሎ ይገልጽ። ሓደ ዓሚል ዓቢ ባንክ ኖርድያ፡ 100 ሽሕ ክሮና ናብ ሓደ መጭበርበሪ ብምስዳዱ ነቲ ባንክ ምኽሳሱ ሬድዮ ሽወደን ከም ኣብነት ናይዚ ኲነታት …

Read More »

ሚኒስተር ፍትሒ፡ “ዴንማርክ እገዳ ምንዳድ ቁርኣን ኣመልኪታ ዘውጽኣቶ እገዳ ኣባና ብዙሕ ጽልዋ የብሉን”

ዴንማርክ ሃይማኖታዊ ጽሑፋት ናይ ምርኻስ ተግባራት ኣመልኪታ ዝገበረቶ እገዳ ኣባላት ባይቶ ሽወደን ነዚ ሕጊ ኣመልኪቶም ኣብ ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ጽልዋ ከምዘይህልዎም ሚኒስተር ፍትሒ ጉናር ስትሮመር ገሊጹ። ባይቶ ዴንማርክ ትማሊ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ሃይማኖታዊ ጽሑፋት ምንዳድ ዘይሕጋዊ ዝገብር ሕጊ ኣጽዲቑ’ሎ። መንግስቲ ሽወደን በዚ መዳይ ሕጊ ሽወደን ክቕየር ይኽእል ድዩ ኣይከኣልን ንዝብል ኣርእስቲ ይምርምር ኣሎ፡፡ እዚ ድማ ፖሊስ ፍቓድ ሰልፊ ክህብ ከሎ ንሃገራዊ …

Read More »

ተዓዋቲት ኖቤል ፊዚክስ 2023 እቲ ሽልማት ፍሉይ ሓላፍነት ከም ዘሰክማ ገሊጻ።

ተዓዋቲት ኖቤል ፊዚክስ 2023 እቲ ሽልማት ፍሉይ ሓላፍነት ከም ዘሰክማ ገሊጻ። ኣን ል ሁይሊየር ኣብ ምፍራይ ኣቶሰከንድ ናህሪ ብርሃን ብዝተገብረ ሜላታት ፈተነ፡ ጎኒ ጎኒ ፒየር ኣጎስቲኒን ፈረንክ ክራውስን ኣብ 2023 ንሽልማት ፊዚክስ ተዓዊታ እያ። ንሳ ብዛዕባ እዚ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ናይ ሓላፍነት ስምዒት ከም ዝስምዓ ትዛረብ፡፡ ”ሕጂ ከም ተዓዋቲት ሽልማት ኖቤል ክነብር ክግደድ እየ!” ትብል። ኣን ል ሁሊየር፡ …

Read More »

ገለ ኩባንያታት ስርዓተ ተፍቲሽ ባዮሜትሪክ የተኣታትዋ

ብተዛማዲ ዘይተለምደ ኣገባብ እኳ እንተኾነ ገለ ኩባንያታት ስርዓተ ተፍቲሽ ባዮሜትሪክ ምትእትታወን ተገሊጹ። እዚ ኣገባብ ኣብ ናይ ግዜ ወረቐት ንዝፍጠር ጌጋታት ንምንካይ ተባሂሉ ዝግበር ዘሎ እዩ። ብምኽንያት ግጒይ ናይ ግዜ ወረቐት፡ ሃገራዊ ኤጀንሲ መድሕን ነቲ ብጌጋ ናብ ኲባንያታት ኣባይቲ ክንክን ብሕቲ ዝተኸፍለ ገንዘብ ንኽምለስ ዝገብሮ ልሙድ ምኽንያት እዩ። ብሕማም ሴረብራል ለምሲ ዝሳቐ ወዲ 24 ዓመት ከምኡ’ውን ኣብ ቤቱ ክንክን ዝረክብ ውላድ …

Read More »

ጥዕና ስደተኛታት ደቀንስትዮ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ሽወደን ዝኸፍአ እዩ ተባሂሉ

ብ ወጻኢ ሃገራት ዝተወልዳ ደቀንስትዮ ካብተን ኣብ ሽወደን ካብ ሽወደናውያን ዝውለዳ ዝኸፍአ ጥዕና ኣለወን ክብል ንመሰልደቂ ኣንስትዮ  ዝጣበቕ ጉጅለ ሎቢ ደቂ ኣንስትዮ ሽወደን ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻቡ ኣመልኪቱ። ካብቶም ነቲ ጸብጻብ ቃለ መሕትት ዝተገብረለን ብዙሓት ስደተኛታት ደቂ ኣንስትዮ፡ ተመኩሮታት ጸቕጢ፡ ተነጽሎን ማሕበራዊ ምግላልን ከም ዘጋጥመን ኣካፊለን ኣለዋ። “ንኽንድዚ ዝኣክል ግዜ ኣብ ዘይርጉጽ ኲነታት ምንባር ብቐሊሉ ዘይጋደፈካ ስቓይ እዩ” ትብል ሓንቲ …

Read More »

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ውሑዳት ገበናት ጽልኢ ተገሊጾም ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ፖሊስ 4,788 ገበናት ምስ ገበን ምስዋር ጽልኢ ክምድብዎም እንከለዉ፡ እዚ ድማ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ መጽናዕቲ ዝተሓትመሉ 2020 ብ 24% ምንካይ ኣርእዩ’ሎ። ይኹን’ምበር እቲ ምኽንያት ናይቲ ምውራድ ንጸሓፍቲ ናይቲ መጽናዕቲ ቡዙሕ ንጹር ኣይኮነን። ድራኸ ናይቲ ገበናት ከም ቀደሙ እዩ ዘሎ ዝብል ግምት እኳ እንተሎ ፡ ልዕሊ ፍርቂ ገበናት ጽልኢ ዓሌታዊ ወይ ጽልኢ ወጻእተኛ ድራኸ ዝነበሮ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ። …

Read More »
Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com