Saturday , April 27 2024

ጥዕና ስደተኛታት ደቀንስትዮ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ሽወደን ዝኸፍአ እዩ ተባሂሉ

ብ ወጻኢ ሃገራት ዝተወልዳ ደቀንስትዮ ካብተን ኣብ ሽወደን ካብ ሽወደናውያን ዝውለዳ ዝኸፍአ ጥዕና ኣለወን ክብል ንመሰልደቂ ኣንስትዮ  ዝጣበቕ ጉጅለ ሎቢ ደቂ ኣንስትዮ ሽወደን ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻቡ ኣመልኪቱ። ካብቶም ነቲ ጸብጻብ ቃለ መሕትት ዝተገብረለን ብዙሓት ስደተኛታት ደቂ ኣንስትዮ፡ ተመኩሮታት ጸቕጢ፡ ተነጽሎን ማሕበራዊ ምግላልን ከም ዘጋጥመን ኣካፊለን ኣለዋ። “ንኽንድዚ ዝኣክል ግዜ ኣብ ዘይርጉጽ ኲነታት ምንባር ብቐሊሉ ዘይጋደፈካ ስቓይ እዩ” ትብል ሓንቲ ካተን ምስ ሬድዮ ሽወደን ቃለመሕትት ዝገበራ ደቀንስትዮ። ቅድሚ ሸውዓተ ዓመታት ካብ ቱርክ ዝመጸት ኮይና “ፍቓድ መንበሪ ንዘመልክታ ስደተኛታት ብፍላይ እቲ ኲነታት ኣብ ጥዕና ኣሉታዊ ጽልዋ ከም ዘሕድር ትዛረብ”። እቲ መስርሕ ኣርባዕተ ዓመታት ከም ዝወድአን ድሕሪኡ’ውን ሕቶኣ ከም እተነጽገን እዚ ድማ ዓብዪ ጭንቂ ከም ዘስዓበላን ትዝክር”


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com