Sunday , May 19 2024

ደብዳበ ናብ ዓዲ (ንመዘናግዕን ንመምሃርን)

ደብዳበ ናብ ዓዲ ቁ. 1                                       ብኣማኑኤል ሳህለ ሓበሬታ፥ ሽሕኳ ኣብዚ ግዜዚ ኣብ ወጻኢ ዚቕመጡ ኤርትራውያን ኢመይል ወይ ፈይስቡክ ወይ ሞባይል/ቫይበር ብምጥቃም ምስ ቤተሰቦም ዝራኸቡ እንተ ኾኑ፡ እዚ ዓምድ’ዚ ግን ነቲ ኢመይል ወይ ሞባይል ብብዝሒ ዘይነበረሉ ግዜ ዚምልከት ኮይኑ፡ ንምዝንጋዕ ብማለት እውን ከከም …

Read More »

ሕጹይ ኣባል ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኣመሪካ ብጾታዊ ዓመጽ ይኽሰስ

USATT ብዙሓት ናይ ሰልፊ ደሞክራሲ ኣመሪካ ሰነይተርስ ነቲ ናይ ብረት ካቫኖ ናብ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኣመሪካ ምምራጽ ከናውሕዎ ይጠልቡ ኣለዉ። ከምዚ ኪኸውን ዝኸኣለ ድማ ሓንቲ ስማ ዝሃበት ሰበይቲ ኣብቲ ዋሺንተን ፖስት ዚብሃል ጋዜጣ ብጾታዊ ዓመጽ ስለ ዝኸሰሰቶ እዩ። እቲ ኣብ ሓደ በዓል ወይ ፌስታ ተፈጺሙ ዚብሃል ዘሎ ጾታዊ ዓመጽ፡ ኣብ 1980ታት ኮይኑ እታ ሰበይቲ ድማ 51 ዝዕድመኣ ኣብ ካሊፎርንያ ናይ ስነልቦና …

Read More »

ኖርወጃዊ ሰብኣይ ንወዱ ቀቲሉ

ኖርወይ TT-NTB ዓርቢ ምሸት ሓደ 40 ዝዕድመኡ ሰብኣይን ወዲ 13 ዓመት ወዱን ኣብቲ ኣብ ኤልቨሩም ምስራቕ ኖርወይ ዚርከብ መንበሪ ቤቱ ሞይቶም ተረኺቦም። ፖሊስ ኖርወይ ብመሰረት እቲ ኣቐዲሞም ዝገበሩዎ ምርመራ እቲ ኣቦ ነብሱ ምስ ቀተለ ንወዱ እውን ከም ዝቐተሎ ገሚቶም። ሰሉስ ድማ እቲ ናይ ምርመራ ውጽኢት፡ ክልቲኣቶም ብናይ ጥይት መቝሰልቲ ከም ዝሞቱ ኣረጋጊጹ። እቶም ፖላይስ ነቲ መሳርያ ወሲዶም ምስ መርመሩዎ ብስም …

Read More »

ናይ ሕሉፍ የማናዊ AFS ጸሓፊት ሰልፊ ከም ናይ ስደተኛታት ወኪል ኮይና ትሰርሕ  

PolitikTT ናይ ጥሩፍ የማናዊ AFS ጸሓፊት ሰልፊ ዝኾነ ጀሲካ ኦልሶን ከም ናይ ስደተኛታት ሕጋዊ ወኪል ኮይና ትሰርሕ፡ ን27 በይኖም ዝመጹ ስደተኛታት ድማ ወኪላ። ሕጂ ግን ስርሓ ደው ኸተብል እቶም እተነጽጉ 13 ድማ ጉዳዮም ከም ብሓድሽ ኪረአ ተጠሊቡ። ብመሰረት  P4 Sörmland ኣብዚ እዋንዚ ኩላቶም መራሕቲ ጉጅለ ስልፍታት ኒሾፒን ኮሙን፡ ንሚግረሽን ንጀሲካ ኦልሶን ከም ወኪል ስደተኛታት ደው ከብላ ይጠልቡ ኣለዉ። ንሳ ኣብ …

Read More »

ማእከላይ ስታቲስቲክ ቤትጽሕፈት (SCB)፥  6.1 ሚእታዊት ስራሕ-ኣልቦ

ቍጠባ TT ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ 337 000 ሰባት ስራሕ-ኣልቦ ነይሮም፡ እዚ ድማ 6.1 ስራሕ ኣልቦነት ከም ዘሎ የርእይ። እዚ ብመሰረት ማእከላይ ስታቲስቲክስ ቤትጽሕፈት (SCB) ነቲ ስራሕ ኣልቦነት ምስ ተመሳሳሊ ወርሒ ናይ 2017 ኪነጻጸር ከሎ ብ 11 000 ሰባት ክብ የብሎ ወይ ድማ ብ 0.1 ሚእታዊት። ዕድል ስራሕ ብ 56000 ሰባት ክብ ብምባል ናብ 5 165 000 ሰባት ክብ ኢሉ። እዚ ድማ …

Read More »

ሓድሽ ኣብ ስዊድን ዲኻ?

ኣብዚ ዝስዕብ መላግቦ ብምጥዋቅ ጠቃሚ ዝኾነ ሓበሬታ ብትግርኛ  ክትረኽቡ ትኽእሉ። ብዛዕባ ሽወደን ዝብል መጽሓፍውን ብቋንቛ ትግርኛ ብነጻ ከተውርድዎ ምስትደልዩ ናዚ መላግቦ ጠውቁ። https://www.informationsverige.se/Tigrinska/ www.informationssverige.se www.nyistockholm.se

Read More »

ኣረጋውያን ኣብ ኮምፕዩተር (ዲጂታል) ዓለም የለዉን

TeknikTT ብዘይ ኮምፕዩተር ህይወት የለን? እወ፡ ብሓቂ ንኣረጋውያን እውን ህይወት የለ። ካብ ኮምፕዩተር ምርሓቕ፡ ካብ ማሕበራዊ ናብራ ከም እትርሕቕ ውን ይገብረካ እዩ፡ ይብል ናይ STV ስሞላንድ ጸብጽጻብ። ሊንዳ ረነላንድ ፉሽማን፡ ኣብ ሊነ ዩኒቨርሲቲ ካልማር ናይ ስነ-ህጻናት ኣስተምሃሪት፡ ንኣርባዕተ ዓመታት ዚኣክል ልዕሊ 65 ዕድመ ዘለዎም ኣረጋውያን ኣብ ናይ ኮምፕዩተር ዓለም ከመይ ከም ዚነብሩ ተማራሚራ። እቶም ናይ ኮምፕዩተር ዲጂታል ኣሰራርሓ ዘይክተሉ፡ ካብ …

Read More »

ሀዲ ፍሪድ፡ 94 ንምጽናት ኣይሁድ  ዚምልከት ናይ ህጻናት መጽሓፍ ኣዳሊያ

ሀዲ ፍሪድ፡ 94፡ ንግዜ ንእስነታን ነቲ ምጽናት ኣይሁዳውያን (ሆሎኮስት) ዚምልከት ታሪኽ ህይወታ ትጽሕፍ ኣላ. ስእሊ መዝገብ. ስነጽሑፍ ሰኣሊት ስቲና ቪርሰን ምስ ሀዲ ፍሪድ ኮይና ”ዛንታ ቦድሪ” ዚብል ኣብ ናይ ሀዲ ንእስነትን ናይ ኣይሁዳውያን ምጽናትን እተመስረተ መጽሓፍ ተዳሉ ኣላ። እቲ መጽሓፍ ዓው ኢልካ ዚንበብ ኮይኑ ናብቶም ካብ ሽድሽተ ዓመት ንላዕሊ ዝዕድመኦም ህጻናት ዝቐንዐ ከም ዝኾነ ስቲና ቪርሰን ትገልጽ። እቲ ሓሳባት ዝመጸላ፡ …

Read More »

ማሀር ብድራኸን ብናይቲ ገበናዊ ህይወቱን ገይሩ ህይወት ከድሕን ይደሊ!

ካብ እተወደበ ገበንን ማእሰርትን ናብ ኣስተምሃርን ከምኡውን ነቶም ካብ ናብራ ገበን ኪሃድሙ ዚደልዩ መንእሰያት ድራኸ ዚህብ ሰብ። “ካብ ጸገማት ክሃድም ኣብ ዝፈተንኩሉ ግዜ፡ ብምኽንያት ከባቢየይ ብዝያዳ ናብኡ እምለስ። ካብኡ ከልግስ ምስ ዝፍትን ድማ ካብኡ ዚገድድ ጸገማት የጓንፈኒ። ድሮጋ ክሸይጥ ምስ ጀምርኩ ከምኡ እዩ ነይሩ፡ ካብኡ ንምውጻእ ድማ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ትርጉም ኣይነበሮን።” ማሀር ከምዚ ብምባል እዩ ዛንታኡ ጀሚሩዎ። ንሱ ኣንጻር …

Read More »

ናብ ትሪፖሊ ዚበራ ነፈርቲ መገዲ ይቕይራ

ሊብያ TT-Reuters ካብቲ ናይ ትሪፖሊት ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሚቲጋ ዚነቅል ተዅስታት ከም ዘሎ ተሓብሪኡ። በዚ ምኽንያት እተን ናብኡ ዝኸድ ነፈርቲ ንግዜኡ ኣብ ከተማ ሚስራታ ከም ዚዓልባ ተገይሩ ኣሎ። በቲ ሮከታት እተጎድኣ ምህላወን ኣይተገልጸን። ሓንቲ ሮከት ግን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ወዲቓ ኣላ። ካብተን መገደን ዝለወጣ ነፈርቲ ናይ ግብጺ ኣየር ሓንቲ እያ።

Read More »
Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com