Saturday , April 27 2024

ሀዲ ፍሪድ፡ 94 ንምጽናት ኣይሁድ  ዚምልከት ናይ ህጻናት መጽሓፍ ኣዳሊያ

ሀዲ ፍሪድ፡ 94፡ ንግዜ ንእስነታን ነቲ ምጽናት ኣይሁዳውያን (ሆሎኮስት) ዚምልከት ታሪኽ ህይወታ ትጽሕፍ ኣላ. ስእሊ መዝገብ.

ስነጽሑፍ

ሰኣሊት ስቲና ቪርሰን ምስ ሀዲ ፍሪድ ኮይና ”ዛንታ ቦድሪ” ዚብል ኣብ ናይ ሀዲ ንእስነትን ናይ ኣይሁዳውያን ምጽናትን እተመስረተ መጽሓፍ ተዳሉ ኣላ።

እቲ መጽሓፍ ዓው ኢልካ ዚንበብ ኮይኑ ናብቶም ካብ ሽድሽተ ዓመት ንላዕሊ ዝዕድመኦም ህጻናት ዝቐንዐ ከም ዝኾነ ስቲና ቪርሰን ትገልጽ። እቲ ሓሳባት ዝመጸላ፡ ንሳ ንሀዲ ፍሪድ ብቕብኣት ክትስእላ ናብ ገዝኣ ምስ ከደት እዩ። ናይቲ ዛንታ ቀንዲ ተዋሳኢት ባዕላ ሀዲ ፍሪድ እያ። ቦድሪ ከልባ እዩ ነይሩ።

ንሕና ነዚ ኣዚዩ ዘፍርህ ጉዳይ ናብ ህጻናት ዝዓለመ መጽሓፍ ክንገብሮ መሪጽና። ካብቲ ዕርክነት ከልባ ተበጊሳ ክትጽሕፍ ምድላይ፡ ናይ ሀዲ ሓሳባት እዩ። ከምዚ ብምግባር ድማ ነቶም ህጻናት ናብቲ ዛንታ የቕርቦምን ምስቲ ዛንታ ከም ዚጽምበሩ ይገብሮምን፡ ትብል ስቲና ቪርሰን።

እቲ ዛንታ ነቲ ናይ ሀዲ ፍሪድስ ኣብ ሃንጋሪ ዘሕለፈቶ ናይ ንእስነታ ህይወት ይገልጽ፡ ከምኡውን ኣብቲ ናይ መጽነቲ መዓስከር ዘሕለፈቶ ግዜ። እዘን ክልተ ደረስቲ ንኣዶልፍ ሂትለር ብስእልን ብጽሑፍን ኪገልጻኦ ወሲነን።

ብሓፈሻ ብዛዕባ እከይ ዚገልጹ ብዙሓት ዚድነቑ ናይ ህጻናት መጻሕፍቲ ኣለዉ። ነዚ መጽሓፍዚ ፍሉይ ዚገብሮ ግን፡ ባዕላ ሀዲ ኣብቲ እከይ ዝመልኦ ኩነታት ብምንባራ እዩ። ንሳ ትኹን ኣነ፡ ነቲ ሓቂ ጓሲኻ ምሕላፍ ምኽንያት ከም ዘይብሉ ንኣምን።

ሀዲ ፍሪድ፡ ዓሚ በቲ ”ንምጽናት ኣይሁዳውያን ዚምልከት ዝመጸኒ ሕቶታት” ዚብል መጽሓፋ ከም ናይ ነሓሰ ተሸላሚት ተረቚሓ ነይራ። ነቲ ናይ ህጻናት መጽሓፍ ባዕላ እያ እትጽሕፎ፡ ግን ስቲና ቪርሰን እያ ፍናን እትህባ። እታ ”ዛንታ ቦድሪ” እትብል መጽሓፍ ኣብቲ ዚመጽእ ጥሪ 27 ዝበዓል ናይ ምጽናት ኣይሁዳውያን ዝኽሪ ተሓቲማ ክትወጽእ እያ።

ከምዚ ንገብር ዘሎና፡ ኣድላዪ ስለ ዝኾነ እዩ። ሀዲ ሓንቲ ካብቶም ብህይወት ተሪፎም ኪዛረቡ ዝኸኣሉ እያ። እቲ መጽሓፍ ናታ እማመ እዩ ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ከምዚ ዝበለ ዕዮ ኣይሳተፍን እየ ንኽብላ ምኽንያት የብለይን። እቶም ሕጂ ብህይወት እንነብር ዘሎና ነዚ ዛንታዚ ከነመሓላልፎ ይግበኣና፡ ህጻናት ከኣ ንኺፈልጡዎ መሰል ኣለዎም፡ ትብል ስቲና ቪርሰን።

ኤሪካ ዮሰፍሶን /TT

 

 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com