Saturday , May 18 2024

ሽልማት ኖበል፥ ንሓድሽ ርኽበት ሕክምና ካንሰር

ኣብዚ ዓመትዚ እቲ ርኽበት ሓድሽ ሕክምና ካንሰር ብፊዚዮሎጂ ወይ ብመድሃኒት ኪሽለም እዩ። ንገሊኣቶም ብካንሰር ዝሳቐዩ ሕሙማት እዚ ሓዲስ ሕክምና ዘይተጸበዩዎ ነዊሕ ዓመታት ከንብሮም ይኽእል እዩ። ነሓሰ 20115 እቲ ኣብቲ እዋንቲ 90 ዓመት ዝነበሮ ናይ ኣመሪካ ፕረሲደንት-ነበር ጂሚ ካርተር እቲ ካንሰሩ ካብ ቆርበቱ ናብ ጸላም ከብዱን ሓንጎሉን ከም እተዘርገሐ ነጊሩ ነይሩ። ኩሉ ኣብ ኢድ ኣምላኽ እዩ፡ ኣነ ኸኣ ንኹሉ ድሉው እየ …

Read More »

ሓደ ቆልዓ ብኸልቢ ተነኺሱ ሞይቱ –ምርመራ ተወዲኡ

ሓደ 15 ዓመት ዝዕድመኡ ቆልዓ ብኸልቢ ተነኺሱ ከም ዝሞተ። ንሱ ኣብ ናይ ፎስተርሀም ወይ ናይ መዕበያ ቤት ይቕመጥ ነይሩ። እቲ ናይ ማሕበራዊ ምምሕዳር ዩስናይበርይ ነቲ ምርመራኡ ዛዚሙዎ እዩ። ናይቲ ማሕበራዊ ምምሕዳር ድኽመት የርኢ። ግን ከኣ እቲ ማሕበራዊ ምምሕዳር ምስቲ ፍጻመ ምንም ምትእስሳር የብሉን ኪብል ሓቢሩ ናይ ኦረብሩ STV። ኣብቲ ዝገበርናዮ ምርመራ ኣብ መንጎ ኣሰራርሓናን እቲ ፍጻምን ምንም ምትእስሳር ከም ዘየልቦ …

Read More »

ሙሪንሆ በቲ ጸቕትታት ኣይተረበሸን

  ናይ ሆሰ ሙሪኖሆ ስራሕ ኣብ ሓደጋ ኣሎ ተባሂሉ ድሕሪ ድኹም ውጽኢትን ተገራጫዊ ኣርእስትን ኣብዚ እዋንዚ ነቲ ናይ ማንቸሰር ዩናይትድ ዓላማይ ኣብቲ ናይ ማንቸስተር ዩናይትድ ቻምፕዮን ሊግ፡ ሓያል ግጥም ምስ ቫለንስያ ይጽበዮ ኣሎ። ናይዚ ወርሓትዚ ናይ ማንቸስተር ዩናይትድ ምጅማር ደስ ዘብል ኣይነበረን። እቲ ናይ ሰንበት ምስ ወስት ሃም እተገብረን ብስዕረት እተዛዘመን ግጥም፡ ኣብቲ ናይቲ ፕረምየር ሊግ ግጥሚ ሳልስይ እዩ ነይሩ፡ …

Read More »

ሓደ ቆልዓ ኣብ ውሽጢ ቍስሉ እተሰፍየ ቍራጽ ዓለባ ስረኡ ተረኺቡ

ሓደጋ TT ናይ ኦርንሾልድቪስክን ናይ ሁዲንገን ማእከላት ጥዕና ንሓደ ወዲ 11 ዓመት ዝዕድመኡ ዚምልከት ሓበሬታ ተቐቢለን። እቲ ወዲ ናይ ብሽግለታ ሓደጋ ምስ ተጓነፎ ናይቲ ስረኡ ቍራጽ ዓለባ ኣብቲ ቍስሉ ኣትዩ። እቲ ወዲ ኣብ ናይዚ ዓመትዚ መወዳእታ ሓጋይ ኣብ ኦርንሾልስቪክ ናይ ብሽግለታ ሓደጋ ኣጋጢሙዎ፡ ኣብ እግሩ ድማ ቆሲሉ። ኣብቲ ማእከል ጥዕና ምስ ከደ ኣርባዕተ ስፋይ ተገይሩሉ። ይኹንምበር እቲ ቍስሊ ምሕዋይ ኣብዩ፡ …

Read More »

ምንቅስቓስ ኣህጉራዊ ቀዪሕ መስቀልን ቀዪሕ ሰርቂ ወርሕን

ቀዪሕ መስቀልን ቀዪሕ ሰርቂ ወርሕን እተን ዝዓበያ ናይ ሓደጋ ውድባት ዓለም እየን፡ ነቶም ኣብ ብረታዊ ግርጭትን ኣብ ሓደጋታትን ግዳይ ዝኾኑ ሰባት ድማ ይድግፋን ይሕግዛን። እቲ ስራሕ ኣብ ሸውዓተ መትከላት ይምስረት፡ ኣብ መላእ ዓለም ድማ ይዝውተር (ሰብኣውነት፡ ዘይኣድላውነት፡ ገለትነት፡ ናጽነት፡ ወለንተኛነት፡ ሓድነት፡ ዩኒቨርሳላውነት)። -ምንቅስቓስ ኣህጉራዊ ቀዪሕ መስቀልን ቀዪሕ ሰርቂ ወርሕን ነዚ ይጥርንፍ፥ ኣህጉራዊ ፈደረሽን ቀዪሕ መስቀልን ቀዪሕ ሰርቂ ወርሕን (IFRC)- -190 …

Read More »

ደብዳበ ናብ ዓዲ Brev till mitt land (ንመዘናግዕን ንመምሃርን)

ደብዳበ ናብ ዓዲ ቁ. 3                                                                 ብኣማኑኤል ሳህለ ሓበሬታ፥ ሽሕኳ ኣብዚ ግዜዚ ኣብ ወጻኢ ዚቕመጡ ኤርትራውያን ኢመይል ወይ ፈይስቡክ ወይ ሞባይል/ቫይበር ብምጥቃም ምስ ቤተሰቦም ዝራኸቡ እንተ ኾኑ፡ እዚ ዓምድ’ዚ ግን …

Read More »

መጽናዕቲ፥ ናይ ወለዲ ሞባይላዊ ወልፊ ምስቲ ናይ ህጻናት ናይ ጠባይ ጸገማት እተኣሳሰረ እዩ

ብመሰረት ምርመራዊ መጽናዕቲ፡ ንሞባይል ካብ ኣእዛኖም ዘየልግሱ ወለዲ፡ ጠባይ ዘይብሎም ህጻናት እዮም ዘፍርዩ። እቲ ናይ ወለዲ ምስ ደቆም ዚህሉ ትሑት ምዕላል፡ ኣብቶም ህጻናት ናይ ዘረባን ቋንቋ ጸገማት ከስዕብ ይኽእል እዩ። ብኒኖስ ሃምራ 24 መስከረም 2018  ተሓቲሙ። እቲ መጽናዕቲ ን183 ወለዲ ተኸታቲሉ፡ ኣብዚ ድማ 40 ሚእታዊት ኣደታት፡ 32 ሚእታዊ ኣቦታት ንሞባይላቶም ዓቢ ትዅረት ከም ዚህቡ ተኣሚኖም፡ ናይ ሚሺጋን ዩኒቨርሲቲን ናይ ኢሊኖይ …

Read More »

ኣብ ኸለፍተዮ ሰለስተ ሰባት ብናይ ምጭዋይ ገበን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኣትዮም

ገበን ኣብ ኸለፍተዮ ዝሓለፈ ሰሉስ ሰለስተ ኣብ 20 ዓመት ዕድመ ዚርከቡ ሰባት ብናይ ምጭዋይ ገበን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኣትዮም፡ ይሕብር ዞባዊ ምንጪ እዚ ምጭዋይዚ ኣብ ሓደ መንእሰይ እዩ ተፈጺሙ። ንሱ ብዘይ ድልየቱ ብማኪና ተወሲዱ። እቶም ስለስተ ጥርጡራትን እቲ እተጨውየ ሰብን ካብ ነዊሕ ጀሚሮም ዳርጋ ይፋለጡ እዮም፡ ይብል ፖሊስ ኸለፍተዮ ዮኣኪም ኦያ ኣብቲ ንኖራን ዝሃቦ ሓበሬታ። እቶም ሰለስተ ሰባት ኪተሓዙ ዝኸኣሉ …

Read More »

14 ዓደግቲ ፍትወተ-ስጋ ተታሕዞም

ኣብ ዞባ ሚት 14 ብምዕዳግ ፍትወተ-ስጋ እተጠርጠሩ ብፖሊስ ተታሒዞም። እዚ ድማ ውጽኢት ናይቲ ሓደ ሰሙን ዝወሰደ ኤ.ሕ (EU) ዘበገሶ ንመሸጣ ግብረስጋ ዚምልከት ጻዕሪ እዩ።  ፖሊስ ኣብቲ ናይ ኡፕሳላን የቭለቦርይን ቨስትማንላንድ ዚጥርጥሩዎ ኣድራሻታት ስሊዮም፡ ነቶም ዚጥርጥሩዎም ኪኣትዉ ምስ ረኣዩዎም ድማ ኪወጹ ኸለዉ ሒዞምዎም። ነቶም ጥርጡራት ምስ ሓዝናዮም መርሚርናህዮም፡ ይሕብር ሚካኤል ኤሪክሶን፡ ኣተሓባባሪ ምርመራ፡ ን TT። ፖሊስ ምስ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ብምዃን ንብዙሓት …

Read More »

ኤርዶጋን ናብ ጀርመን ኢዱ ይዝርግሕ

ናይ ቱርኪ ፕረሲደንት ረ ጀፕ ጣይብ ኤርዶጋን ኣብ በርሊን ኣትዩ፡ ኣብኡ ድማ ንቻንሰለር ኣንገላ መርከል ኪረኽባን ምስቲ ፕረሲደንት ፈደራላዊት መንግስቲ ጀርመን፡ ፍራንክ ቫልተር ሽታይንማየር ከኣ ኪድረርን እዩ። ድሕሪ ነዊሕ ናይ ወጥሪ ዝምድና በርሊንን ኣንካራን፡ ኤርዶጋን ሓድሽ ዝምድና ኪፈጥር ደልዩ። እታ 82 ሚልዮን ነበርቲ ዘለዉዋ ጀርመን፡ 3 ሚልዮን ቱርኪ ዝዓሌቶም ነባሮ ኣለዉዋ። ኣብዚ ቱርኪ ምስ ኣመሪካ ተባኢሳትሉ ዘላ ግዜን፡ ቁጠባኣ ኸኣ …

Read More »
Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com