Wednesday , May 8 2024

ምንቅስቓስ ኣህጉራዊ ቀዪሕ መስቀልን ቀዪሕ ሰርቂ ወርሕን

ቀዪሕ መስቀልን ቀዪሕ ሰርቂ ወርሕን እተን ዝዓበያ ናይ ሓደጋ ውድባት ዓለም እየን፡ ነቶም ኣብ ብረታዊ ግርጭትን ኣብ ሓደጋታትን ግዳይ ዝኾኑ ሰባት ድማ ይድግፋን ይሕግዛን። እቲ ስራሕ ኣብ ሸውዓተ መትከላት ይምስረት፡ ኣብ መላእ ዓለም ድማ ይዝውተር (ሰብኣውነት፡ ዘይኣድላውነት፡ ገለትነት፡ ናጽነት፡ ወለንተኛነት፡ ሓድነት፡ ዩኒቨርሳላውነት)።

-ምንቅስቓስ ኣህጉራዊ ቀዪሕ መስቀልን ቀዪሕ ሰርቂ ወርሕን ነዚ ይጥርንፍ፥

ኣህጉራዊ ፈደረሽን ቀዪሕ መስቀልን ቀዪሕ ሰርቂ ወርሕን (IFRC)-

-190 ኣህጉራዊ ፈደረሽን ቀዪሕ መስቀልን ቀዪሕ ሰርቂ ወርሕን

ኣህጉራዊ ኮሚቴ ቀዪሕ መስቀል (ICRC)

ICRC ንኸምዚ ይሰርሕ፥

  • ነቶም ናይ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕግታት (ናይ ኵናት ሕጊታት) ይትግበሩ ምህላዎም ይሕሉ፡ ነቲ ኣፍልጦኦምን ትሕዝቶኦምን ድማ የደንፍዕን ይዝርግሕን
  • ኣብቲ ናይ ግርጭት ዞባ ነቶም ግዳያት፡ ዕቝባን ሓገዝን ይውድብ
  • ንናይ ኵናት እሱራትን እተዳጎኑ ሲቪላትን ፖለቲካውያን እሱራትን ይበጽሕ
  • ዝጠፍኡን ደሃዮም ዘየለን ሰባት ንምርካብ ይምርምር
  • ኣብቲ ናይቶም ብምኽንያት ግርጭት ተፈላልዮም ዝነበሩ ስድራቤት ከም ብሓድሽ ምርኻብ ሓገዙ የበርከት፡ ናይ ቀዪሕ መስቀል መልእኽታት ድማ ይቕበልን ይልእኽን

ኣህጉራዊ ፈደረሽን ቀዪሕ መስቀልን ቀዪሕ ሰርቂ ወርሕን (IFRC)

IFRC ከምዚ ይሰርሕ:

  • ነተን ንምክልኻልን ንምቕላልን ስቓይ ወድሰብ ዚነጥፋ ሃገራውያን ማሕበራት ይድግፍ
  • ኣብ ግዜ ሓደጋ ኣህጉራዊ ናይ ሓገዝ ኣገልግሎት የወሃህድ፡ ኣብ ኩሉ ዓለም ድማ ናይ ምዕባለ ዕዮታት ይውድብ
  • ንምስረታን ድንፋዐን ሓደስቲ ሃገራውያን ማሕበራት ይድግፍ

ኣርማና

ታሪኽ ቀዪሕ መስቀልን ቀዪሕ ሰርቂ ወርሕን

ምስቲ ናይ ኣህጉራዊ ቀዪሕ መስቀል ምምስራት፡ እቲ ናይ መጀመርታ ናይ ጀነቫ ጉባኤ፡ ነቲ ኣብ ጻዕዳ ምድሪ ቀዪሕ መስቀል ዘለዎ ምልክት ከም ናይ ገለትነት ኣርማ ገይሩ ተቐቢሉዎ። እቲ ኣርማ ዩኒቨርሳላውን ብቐሊሉ ዚፍለጥን ንሆስፒታላትን መዕቆቢ ሕሙማት ድማ ኣብ ግዜ ብረታዊ መጥቃዕቲ ንኺከላኸል ተባሂሉ እዩ ተሰሪሑ።

ንሱ ምስ ሃይማኖታዊ ምልክት ርክብ የብሉን፡ እቲ ሕብሪ ናይ ስዊዘርላንድ ባንዴራ እዩ፡ ግን ብግልባጡ እዩ። ስዊዘርላንድ ዓዲ ናይቲ ንመሰረት ቀዪሕ መስቀል ዘንበረ፡ ሀንሪ ዱናንት፡ እያ።

እተን ቀዪሕ መስቀልን፡ ቀዪሕ ሰርቂ ወርሕን ከምኡውን ቀዪሕ ክሪስታልን፡ ብመሰረት ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊታት (ናይ ኵናት ሕግታት) ናይ ዕቝባ ኣርማ እየን። ንሳተን ኣብ ግዜ ብረታዊ ግርጭት ነቲ ዝቖሰለን ዝሓመመን ከምኡውን ንሲቪላውን ወትሃደራውን ሆስፒታላት ዕቝባ ይህባ። ነቲ ናይ ቀዪሕ መስቀል ኣርማ ዘለዎ ሰብ ወይ ተሽከርካሪ ወይ ህንጻ ምጥቃዕ ክልኩል እዩ።

እዘን ሰለስተ ኣርማታት ሓደ ዓይነት መዕቆብን መዓርግን ኣለወን። ንሳተን ኣብ ግዜ ብረታዊ ግርጭት ንሆስፒታላት ይከላኸላ፥ ሃይማኖታውን ፖለቲካውን ባህላውን ትርጉም ድማ የብለንን።

እተን ኣርማታት ናይ ቀዪሕ መስቀልን ናይ ቀዪሕ ሰርቂ ወርሕን ምንቅስቓሳት ጥሪት ኣይኮናን፡ ግን ናይ ነፍስወከፍ ዘዘውትረን ሃገር እየን። ሽወደን ነቲ ቀዪሕ መስቀል ከተዘውትሮ ወሲና። ግን ከም ሲርያን ኢራቅን ኣፍጋኒስታንን ዝመሰላ ሃገራት ነቲ ቀዪሕ ሰርቂ ወርሒ የዘውትራ። ይኹንምበር ኢንዶነዝያ፡ እታ ህዝባ ብብዝሒ ሙስሊም ዝኾነ፡ ነቲ ቀዪሕ መስቀል እያ እተዘውትር።

እታ ኣርማ ብዘይካ ኣብ ግዜ ብረታዊ ግርጭት ከም ናይ ዕቝባ ምልከት ንምክልኻል ሆስፒታላት ኮይና ምስራሕ፡ ገለ ሃገራውያን ማሕበራት፡ ከም ናይ ሽወደን ቀዪሕ መስቀል፡ ነታ ኣርማ ይጥቀማላ እየን። እዚ ድማ ሓደ ሰብ ወይ ኣቕሓ ምስ ቀዪሕ መስቀል ምትእስሳር ከም ዘለዎ ንምርኣይ ይኸውን። ናይ ሽወደን ቀዪሕ መስቀል፡ ኣብ ግዜ ሰላም እውን ነቲ ኣርማ ይጥቀመሉ እዩ፡ ግን እቲ ቀዪሕ መስቀል ዚብል ስም ኣብቲ ሎጎ ኪህሉ ይግባእ።

ብቛንቋ ዓረብ ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ICRC ከምኡውን IFRC ኪህልወካ ምስእትደሊ ኣብዚ ድለ https://www.icrc.org/ar ከምኡውን ኣብዚ http://www.ifrc.org/ar/

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com