Saturday , May 18 2024

ፖሊስ ኣብ ደቡብ ሽወደን ነተጒቲ ይረኽቡ።

ዝሓለፈ ዓመት ሕዳር 15 ፍተሻ ድሕሪ ምክያዱ ፖሊስ ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ኣብ ልዕሊ 280 ከባቢታት ነተጒቲ ከም ዝረኸቡ ገሊጾም። ዞባዊ ዳይረክተር ስንቂ ፖሊስ ፒንግ ሹስተር ኣባላት ሓለዋ ጸጥታ ናብ ደቡባዊ ሽወደን ናብ ዝርከባ 280 ከባቢታት ከም እተላእካ ገሊጹ። እቲ ነተጒቲ መብዛሕትኡ ዲናማይት ፊንገርስ ዝበሃል ዓይነት ኮይኑ ቡምባ ኢድ ግና ኣይተረኽበን። እቲ ወፍሪ ዞባታት ሳኩና ባልከኒግ ክሮንበሪን ካልማርን ዘጠቓልል እዩ። እቶም …

Read More »

መብርሂ ደረጃታት መጠንቀቕታ ካብ ሜትሮሎጂ ስዊድን

መጠንቀቕታ ደረጃ ሓደ….. ብጫ መጠንቀቕታ ሕማቕ ኲነታት ኣየር። ዝምዕብል ዘሎ ኲነታት ኣየር ኣብ ህዝቢን ገለ ማሕበራዊ ንጥፈታይን ስግኣት ክህልዎ እዩ ተባሂሉ ትጽቢት ይግበረሉ። መጠንቀቕታ ደረጃ ክልተ….ኣራንሾኒ መጠንቀቕታ ሕማቕ ኲነታት ኣየር እዚ ምዕባለ ኣብ ህዝቢ ሓደጋ ከብጽሕ ዕብይ ዝበለ ንዋታዊ ዕንወትን ምትእጒጓል ኣገዳሲ ማሕበራዊ ንጥፈትን ከኽስት ይኽእል እዩ። ህዝቢ ሓድሽ ሓበሬታ ካብ ኢንተርነት ሬድዮን ቴሌቪዥንን ክረክብ ይዕደም። መጠንቀቕታ ደረጃ ሰለስተ….ቀይሕ መጠንቀቕታ …

Read More »

ውድድር ኤፍ ኤ ካብ ን ሊቨርፑል የሰናብት ኣርሰናልን ማንቸስተር ዩናይትድን የራኽብ!

ሊቨርፑል ካብ ውድድር ኤፍ ኤ ካብ ተኣልያ። ትማሊ ምስ ክለብ ዎልቭስ ኣብ ዝገብረቶ ጸወታ ዝበዝሑ ቆወምቲ ተሰልፍቲ እዛ ጋንታ ብምዕራፋ 2 ብ 1 ብዝኾነ ውጺኢት ኣብ ናይ ሳልሳይ ዙር ተሳናቢታ። ክለብ ሊቨርፑል ብዘይ ተኸላኻላይ ቫን ዳይክ ንሳልሳይ ግዜ ዝገብረቶ ጸወታ ስዕረት ኣጋጢምዋ። ካልእ ከምዚሉ ከሎ ራብዓይ ዙር ዕጫ ውድድር ኤፍ ኤ ካብ ን ዓበይቲ ጋንታታት ኣርሰናልን ማንቸስተር ዩናይትድን ኣራኺቡ። ዓወት …

Read More »

መጠንቀቕታ ካብ ማእከል ሜትሮሎጂ ስዊድን

ብመሰረት ሓበሬታ ማእከል ሜትሮሎጂ ማዕበል ውርጪ ኣብ ስቶክሆልምን ካልኦት ዓበይቲ ከተማታትን ክወድቕ ምዃኑ ተፈሊጡ። ኣብ ዝቕጽላ ሰዓታት 25 ሴንቲሜትር ዝርጒዱ ውርጪ ኣብ ዞባታት ኣፕሳላ ስቶክሆልምን ያቭለቦሪ ክኽሰት ከም ዝኽእል ካኣ ካልኣይ ደረጃ መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ’ሎ። እቲ ማእከል ኣቐዲሙ ኣብ ዳላርና ኦሬቦን ፋርምላንድን ውርጪ ክኽሰት ከም ዝኽእል ቀዳማይ ክላስ መጠንቀቕታ ድሮ ኣመሓላሊፉ እዩ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ቅድሚ ቊሩብ መዓልታት ማዕበል ኣልቨንዳ ብምኽሳታ …

Read More »

ዴንማርክ ትሽዓተ ኣርቲፊሻል ደሴታት ክትሃንጽ ትደሊ’ላ ተባሂሉ።

መንግስቲ ዴንማርክ ካብ ከተማ ኮፐንሃገን ብሸነኽ ደቡብ 12 ሽሕ ቢዝነሳት ክሕዛ ዝኽእላ ትሽዓተ ኣርቲፊሻል ደሴታት ክሃንጽ ድሌት ከም ዘለዎ ተገሊጹ። ብመሰረት ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጒዳያት ዕዮ እዚ ውጥን ምስ ምምሕዳር ከተማታት ብምትሕብባር ብደገፍ መንግስቲ ዴንማርክ ኣብ 2040 ክዛዘም እዩ ተባሂሉ ተስፋ ተነቢርሉ’ሎ። እንተኾነ ግና ፈሰስ ፋይናንስ ናይዚ ከምዚ ዝበለ ገዚፍ ፕሮጀክት ካበይ ምዃኑ ክሳብ ሕጂ ንጹር ኣይኮነን። ዴንማርክ ከምቲ ሽወደን ዝገበረቶ …

Read More »

ክፍሊ ውሽጣዊ ጸጥታ ኣሜሪካ ኣብ እተገሽሉ መዓልቲ ቪዛ ምሕታት ምትራፉ ገሊጹ።

ምዕራባውያን ሰብ ፓስፖርት (እንተላይ ሽወደን ) ኦንላይን ቪዛ ካብ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብታ ዝገሹላ መዓልቲ ክሓቱ ይኽእሉ ኔሮም እዮም። ንተኾነ ግና እዚ ተሪፉ ቅድሚ ምጒዓዞም እንተወሓደ ሰለስተ መዓልታት እቐድም ኣቢሎም ክሓቱ ዝድንግግ ሕጊ ወጺኡ’ሎ። ክፍሊ ውሽጣዊ ጸጥታ ኣብ ዌብሳይቱ ኣብ ዘስፈሮ ሓበሬታ ኣብ እተገሽሉ መዓልቲ ቪዛ ምሕታት ምትራፉን ገያሾ ብውሕዱ 72 ሰዓታት ኣቐዲሞም ቪዛ ክሓቱን ከም ዝህግባእ ኣፍሊጡ’ሎ። ብዘይካዚ ተጓዓዝቲ ተወሳኺ …

Read More »

ስቶክሆልም : ማስኬራ ዝወደዩ ሰባት ናብ ልቓሕ ባንካ ብምእታው ራስያ ፈጺሞም።

ብረት ዝዓጠቐ ዝርከቦም ብዙሓት ገጾም ማስኬራ ዝወደዩ ሰባት ሎሚ ንግሆ ኣብ ከባቢ ቡትሺርካ ስቶክሆልም ዕዳጋ ሃሉንዳ ዝርከብ ናይ ልቓሕ ባንካ ብሓይሊ ብምእታው ዘረፋ ፈጺሞም። ሓደ ናይ ዓይኒ ምስክር ከም ዝገለጾ እቶም ማስኬራ ዝወደዩ ሰባት ሰኑይ ሰዓት 10 ንግሆ መኪና ተሳፊሮም ናብቲ ባንክ ድሕሪ ምእታዉ ብቕልጡፍ ካብቲ ቦታ ተኸዊሎም። ብመሰረት ፖሊስ እቶም ዛጊት መን ምዃኖም ዘይተገልጹ ማስኬራ ዝወደዩ ሰባት ብሓንቲ ጻዕዳ …

Read More »

ቋንቋ ስዊድን ባዕልኻ ትመሃረሉ ኣገባብ ትድሊዶ?

ኣብ ሽወደን ይኹን ካልእ ሃገር ሓድሽ ህይወት ምጅማር ናይ ባዕሉ ጸገማት ኣለዎ። እቲ ዝያዳ ንጹር ጸገም ከኣ ሽግር ቋንቋ እዩ። ነዚ ክትዋጽኣሉ እትኽእለሉ እንኮ መንገዲ ትምህረቲ እዩ። ግና ብኸመይ ኣገባብ? ካብ ክፍሊት ናጻን እናተዘናጋዕካን ባዕልኻ ቋንቋ ሽወደን ኦንላይን እትመሃረሉ ኣገባብ ካብ ማንም ካልእ ሜላ እቲ ዝቐለለ እዩ። Informationsverige.se ዝተባህለ ዌብሳይት ንመጻእተኛታት ብዛዕባ ሽወደንን ህዝባን ካብ እኹል ንላዕሊ ሓበሬታ ኣለዎ። ብዘይካዚ …

Read More »

ምስራዝ ጽምብል ዝኽሪ ሳዳም ሑሴን ኣብ ስቶክሆልም።

ህንጻ ምምሕዳር ስቶክሆልም ፎክሌት ንዝኽሪ ሳዳም ሑሴን ተባሂሉ ብሓደ ማሕበር ዒራቓውያን ዝተገብረ ምክራይ ኣዳራሽ ሰሪዙ። ምምሕዳር ህንጻ ነዚ ምስራዝ ስለምንታይ ከም ዘካየዶ እንክገልጽ ” እቲ ማሕበር ምትእኽኻብ ዒራቓውያን ን 12 ዓመት ሞት ሳዳም ሑሴን ብሕቡእ እዩ ከካይዶ መዲቡ ኔሩ” ኢሉ። ” ኣዳራሽና ኣቐዲሞም ብምክራይ ኣማኢት ሰባት ዝርከብዎ ጉባኤ ከነካይድ ኢና ኢሎምና” ይብል ዳይረክተር ህንጻ ራግስቨድ ሊፍ ሮንገን። “እዚኦም ደገፍቲ ሰልፊ …

Read More »

ሓደ ሽወደናዊ ቱሪስት ሞባይሉ ንኽዕቅብ ክብል እግሩ ይስእን።

ወዲ 36 ዓመት ሽወደናዊ ቱሪስት ሞንሰራት ኣብ ዝተባህለ ሰፈር ከተማ ቡኖስ ኣይረስ ሓደ ጒሒላ ሞባይሉ ክሰርቆ ክብል ብዙሕ ስለ እተዋጠጦ ብጥይት እግሩ ከም ዘቚሰሎ ክላሪን ዝተባህለ ጋዜጣ እታ ሃገር ሓቢሩ። እቲ ቱሪስት ኣርባዕተ ግዜ መጥባሕቲ እኳ እንተገበረ ዶክተራት እግሩ ከድሕኑሉ ኣይክኣሉን። ካብ ብርኩ ንታሕቲ ክቚረጽ ከኣ ተጌሩ’ሎ።

Read More »
Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com