Saturday , April 27 2024

ክፍሊ ውሽጣዊ ጸጥታ ኣሜሪካ ኣብ እተገሽሉ መዓልቲ ቪዛ ምሕታት ምትራፉ ገሊጹ።

ምዕራባውያን ሰብ ፓስፖርት (እንተላይ ሽወደን ) ኦንላይን ቪዛ ካብ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብታ ዝገሹላ መዓልቲ ክሓቱ ይኽእሉ ኔሮም እዮም።

ንተኾነ ግና እዚ ተሪፉ ቅድሚ ምጒዓዞም እንተወሓደ ሰለስተ መዓልታት እቐድም ኣቢሎም ክሓቱ ዝድንግግ ሕጊ ወጺኡ’ሎ።

ክፍሊ ውሽጣዊ ጸጥታ ኣብ ዌብሳይቱ ኣብ ዘስፈሮ ሓበሬታ ኣብ እተገሽሉ መዓልቲ ቪዛ ምሕታት ምትራፉን ገያሾ ብውሕዱ 72 ሰዓታት ኣቐዲሞም ቪዛ ክሓቱን ከም ዝህግባእ ኣፍሊጡ’ሎ።

ብዘይካዚ ተጓዓዝቲ ተወሳኺ ምጽራይን ምፍታሽ ሻንጣታትን ክግበረሎም ከም ዝኽእል ካብ ኣፈኛ እቲ ክፍሊ ምስማዓ ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ጸብጺባ’ላ።

እዚ ሓድሽ ሕግን መምርሒን መዓርፎ ነፈርቲ ኣውሮጳን ኣመሪካን ንዝጥቀሙ ተጓዓዝቲ ብዙሕ ገልታዕታዕ ከስዕበሎም ይኽእል እዩ ተባሂሉ ተገሚቱ’ሎ


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com