Saturday , May 18 2024

ሽወደናውያን ብዓይኒ ኣማኑኤል ሳህለ ካልኣይ ክፋል

ብቐዳምነት ብዛዕባ ፍልጠት ሽወደንን ህዝባን ብዝምልከት ክልተ ዓይነት ኤርትራውያን ከተለሊ ትኽእል ኢኻ፡፡ እቶም ቀዳሞት ኣብ 1950ታት ኣብ ኣስመራ ዝነበራ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን ሽወደናውያን ዝተማህሩ  እዮም፡፡ እቶም ካልኦት ከኣ ኣብአን ዘይተማህሩ፡፡ ኣነ ንባዕለይ ካብቶም ኣብአን ዝተማህሩ እየ፡፡ ግና ኣብዚ ጽሑፍ ነቲ ዝበዝሐ ኤርትራዊ ጥራይ ኣብ ግምት ብምእታው ክቐጽል እየ፡፡ ንሽወደን ብኣካልን በወረን እየ ዝፈልጣ፡፡ ወላዲተይ ኣብ ወንጌላዊ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ሽወደን …

Read More »

ደብዳበ ናብ ዓዲ Brev till mitt land (ንመዘናግዕን ንመምሃርን) ቁ. 4

ዝኸበርካ ኣቦይ፥ ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልኩኻ፡ ናብ ካልእ ካምቢ ወሲዶምኒ። ግን ባላሶ እምበር ካምቢስ ኣይኮነን። እተን ናብኡ ዝወሰዳኒ፡ ናይቲ ሚግረሽን ሰራሕተኛታት እየን። ብእንግሊዝ እናተዛረባ ክሳዕቲ ካምቢ ምስ ወሰዳኒ፡ ብሓደ ዄንና ናብቲ ኣፓርትማ ደዪብና። ኣብ ኢደይ ባልጃይን ሓንቲ ጥቕልልቲ ፍርናሽን ነይራ። ኣብኡ ምስ ኣብጽሓኒ፡ ሓድሓደ ምኽርታትን ለበዋን ሂበን ገዲፈናኒ ተዓዚረን። ነቲ ክፍልታት በብሓደ እናኸፈትኩ እንተ ረኣኹ፡ ሰብ የብሉ ኦም የብሉ። ናበይ ደኣ …

Read More »

ሞሪኖ ኣብ ሓደጋ ምብራር

ኢንግሊዛዊት ጋንታ ማንቸስተር ዩናይቲድ ምስ ኣስለጣኒኣ ሞሪኖ ተፋጢጣትሊ ኣብዘላ ኣዋን ሓለቃ እታ ጋንታኣ ኣንተንዮ ቫለንሽያ ንምስጋግ ሞሪኖ ዘራጉድ ኣብ ኢንስቶግራም ደገፉ ብምሃቡ መዛረቢ ማእከናት ዜና ኮይኑ። ኣብ ውድድር ፕሪመር ሊግ ብእተመዝግቦ ዘላ ትሑት ውጺኢት ን መሪኖ ከተባርሮ ኣንቂዳ ዘላ እዛ ጋንታ። ሓያለ ደገፍታ ውን ንምብራር መሪኖ ኣብ ልዕሊ ጋንቶም ጸቅጢ ብምግባርን ኣብ መራከቢ ቡዙሃን ብምጽሓፍን ብእዋኑ ክፋኖ ኣብዝጠልብሉ ዘለው እዋን …

Read More »

ተጻዋትይ ኩዑሶ እግሪ ክርስትያኖ ሮናልዶ ብናይ ጾታ ዓመጽ ይኽሰስ

ኣብልዕሊ ናይ ዓለምና ኮኾብ ተጻዋትይ ኩዑሶ እግሪ ክርስትያኖ ሮናልዶ ዝውርድ ዘሎ ናይ ጾታ ዓመጽ ክሲ ንቡዝሓት መዎልቱ ዝኮና ትካላት  ከተሓሳስበን ጀሚሩ። ከምዝፍለጥ  ኣመሪካዊ ከትራን ማዮርጋ  ብ Me too ዝፍለጥ ጎስጋስ ተሓጊዛ ክርስትያኖ ኣብ ላስ ቬጋስ (ኣሜሪካ) ኣብ ፓልማስ ዝተባህለ ሆተል ኣብ ልዕሊኣ ብሓይሊ ጾታዊ ዓመጽ ከምዝፈጸመን  ነቲ ኩነታት ንከይዛረብ ብዝተውህበቶ 375000 ዶላር ናብ ፖሊስ ከይትከስስ ከምዝተገብረ ብምባል እያ ዳግማይ ናይ …

Read More »

ኣልስቫንስካ (allsvenskan)

ብ ኣልስቫንስካ  ዝጽዋዕ ውድድር ኩዑሶ እግሪ ሽወደን፣ 16 ጋንታታት ብምስታፍ ውድድሩ ኣብ ምስልሳል ዝርከብ ኮይኑ። ነዚ ውድድር ብ ሓለቃ ጋንታ ኤርትራዊ ሽወደናው ሄኖግ ጎይቶም ትምርሕ ጋንታ ኣይኮ (AIK) ብ 58 ነጥቢ እብ ምምራሕ ትርከብ። ኣብዚ ውድድር ሓለቃ ጋንታ ሄኖግ ጎይቶም 13 ጎላት ብምብርካት ን ጋንትኡ  ዓቢ ኣስተዋጾ ኣብ ምብርካት ይርከብ። ከምዝፍለጥ ጋንታ ኣይኮ ኣቀዲማ እውን ነዚ ሕጂ ምስ ጀርመናዊት ጋንታ …

Read More »

ደንማርክ ነቲ ንፍቑድ ብዝሒ ስደተኛታት (ክዎታ)ዚምልከት  መደብ ደው ኣቢሉዎ

ደንማርክ ነቲ ንፍቑድ ብዝሒ ስደተኛታት (ክዎታ)ዚምልከት ናይ ሕቡራት መንግስታት መደብ ደው ኣቢሉዎ። ከምኡውን እቲ መንግስቲ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ወጻኢ ኣብ ዚርከባ ሃገራት ናይ እተነጽጉ መስጎጊ ቦታታት ኪትከል ይደሊ። ደንማርክ በቲ ናይ ሕ.መ መደብ ክዎታ፡ ስደተኛታት ክትቅበል ከም ዘይኮነ ወሲና ኣላ። እቲ ናይ ወጻእን ናይ ውህደትን ሚኒስተርን ኣብ ሊበራል ፓርቲ ቨንስትረ ኣባል ዝኾነን ኢንገር ስቶይበርግ ነዚ ውሳነ ምኽንያት ኪህበሉ ከሎ፡ ብዙሓት …

Read More »

ፖፕኮርን (ዕምባባ) ገለ ጭላፋት ብረት ተረኺቡዎ

ኩፕ እተባህለ ትካል ነቲ ሓጺናት እተረኽቦ ፖፕኮርን ይመልሶ ኣሎ። ፖፕኮርን ኪብሃል ከሎ እቲ ኣብ ርሱን መቝሎ ምስ ገበርካዮ ቶግ ቶግ ዚብል ዘርኢ ዕፉን እዩ። እቲ ኣብ ባኮ እተዓሸገን ዚምለስ ዘሎን ፖፕኮርን ኣብ 2019-08-10፡ 2019-08-09፡ ከምኡውን 2019-09-19 ዚወድቕ እዩ። “ኩፕ ነዚ ጉዳይዚ ሓላፍነት ኪወስደሉ እዩ። ነቲ ጉዳይ ድማ ምስቲ ሰዳዲ ኮይኑ ኪምርምሮ እዩ” ይጽሕፍ ኩፕ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺኡ።

Read More »

ፖሊስ ብጭፍራ ገበነኛታት ይጥቃዕ – ውኖኡ የጥፍእ

ሓደ ፖሊስ ኣብ ሾቭደ ኣብ ገለ ናይ ባእሲ ኩነታት ብብርቱዕ ቆሲሉ። ርእሱ ተሃሪሙ፡ ኣስናኑ ድማ ተሰባቢሩ። ከምዚ ዓይነት ከቢድ ገበን ኩሉ ግዜ ዚፍጸም ኣይኮነን፡ ስለዚ ብዕቱብ መገዲ ኢና እንርእዮ ይብል ናይቲ ዞና ሓላፊ ፖሊስ ያን ሀልነቪ። ረቡዕ ሰዓት 8፡45 ምሸት ዝሰኸሩ ሰባት ኣብቲ ናይ ሾቭደ ሰንትሩም ከም ዝኣተዉ ሓበሬታ ተዋሂቡ። ኣብቲ ቦታ ድማ ፖሊስ ተላኢኾም። እቲ ኣብቲ ቦታ ዝበጽሐ ቀዳማይ …

Read More »

ሓደ ሰብ ኣብ ሁዲንገ ብጥይት ቆሲሉ

ኣብ ፍለሚግስበርይ ሁዲንገ ሓደ ሰብኣይ ብጥይት ቆሲሉ። ኣብቲ ቦታ ሰዓት 9፡30 ምሸት ናይ ተዅሲ ድምጺ ምስ ተሰምዐ፡ ብዙሓት ሰባት ፖሊስ ጸዊዖም። ብዙሕ ተዅሲ ነይሩ፡ ትብል ኣና ወስትበርይ ናይ ፖሊስ ቃል ኣቐባሊት። ብድሕርዚ ሓደ ብጥይት እተወቕዐ ሰብ ኣብ ሆስፒታል ሁዲንገ መጺኡ። ፖሊስ ነቲ ናይ ተዅሲ ቦታ ስለ ዘይፈለጡዎ ይደልዩዎ ኣለው። እቲ ፍጻመ ከም ከቢድ ገበን እዩ ዚቝጸር። ክሳዕ ሕጂ እተታሕዘ ሰብ …

Read More »

ኣብያተጽሕፈት ድሕሪ ተዅሲ ይግዕዛ

SamhälleTT ኣብ ስፖንጋ-ተንስታ ምዕራብ ስቶክሆልም ዚርከባ ኣብያተጽሕፈት ናብ ካልእ ቦታ ግዒዘን። ብመሰረት STV ዜና፡ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ሰብ ብተዅስን እምኒ ምድርባይን ሞኽ ምስ በለ እዩ። ኣብ ገሊኡ ድማ ኣብቲ ጥቓ መእተዊ፡ ነቲ ጎማ ማኪና ሓዊ ኣእቲዮሙሉ። እቲ ብመስከረም ኣብያተጽሕፈቱ ብተዅሲ እተረበሸ ማሕበራዊ ጉጅለ፡ ከም ናይ መንእሰያት ገበነኛታት-ነበር መዐረዪ እዩ ነይሩ። እቲ ትካል ነቶም ገበነኛታት ኣብቲ ቦታ ንኸይኣትዉ ይከላኸል ነይሩ፡ ድሓር …

Read More »
Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com