Friday , April 26 2024

ሓደ ሰብ ኣብ ሁዲንገ ብጥይት ቆሲሉ

ኣብ ፍለሚግስበርይ ሁዲንገ ሓደ ሰብኣይ ብጥይት ቆሲሉ። ኣብቲ ቦታ ሰዓት 9፡30 ምሸት ናይ ተዅሲ ድምጺ ምስ ተሰምዐ፡ ብዙሓት ሰባት ፖሊስ ጸዊዖም።

ብዙሕ ተዅሲ ነይሩ፡ ትብል ኣና ወስትበርይ ናይ ፖሊስ ቃል ኣቐባሊት።

ብድሕርዚ ሓደ ብጥይት እተወቕዐ ሰብ ኣብ ሆስፒታል ሁዲንገ መጺኡ። ፖሊስ ነቲ ናይ ተዅሲ ቦታ ስለ ዘይፈለጡዎ ይደልዩዎ ኣለው።

እቲ ፍጻመ ከም ከቢድ ገበን እዩ ዚቝጸር። ክሳዕ ሕጂ እተታሕዘ ሰብ የልቦን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com