Saturday , May 11 2024

ኣልስቫንስካ (allsvenskan)

ብ ኣልስቫንስካ  ዝጽዋዕ ውድድር ኩዑሶ እግሪ ሽወደን፣ 16 ጋንታታት ብምስታፍ ውድድሩ ኣብ ምስልሳል ዝርከብ ኮይኑ። ነዚ ውድድር ብ ሓለቃ ጋንታ ኤርትራዊ ሽወደናው ሄኖግ ጎይቶም ትምርሕ ጋንታ ኣይኮ (AIK) ብ 58 ነጥቢ እብ ምምራሕ ትርከብ። ኣብዚ ውድድር ሓለቃ ጋንታ ሄኖግ ጎይቶም 13 ጎላት ብምብርካት ን ጋንትኡ  ዓቢ ኣስተዋጾ ኣብ ምብርካት ይርከብ። ከምዝፍለጥ ጋንታ ኣይኮ ኣቀዲማ እውን ነዚ ሕጂ ምስ ጀርመናዊት ጋንታ …

Read More »

ደንማርክ ነቲ ንፍቑድ ብዝሒ ስደተኛታት (ክዎታ)ዚምልከት  መደብ ደው ኣቢሉዎ

ደንማርክ ነቲ ንፍቑድ ብዝሒ ስደተኛታት (ክዎታ)ዚምልከት ናይ ሕቡራት መንግስታት መደብ ደው ኣቢሉዎ። ከምኡውን እቲ መንግስቲ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ወጻኢ ኣብ ዚርከባ ሃገራት ናይ እተነጽጉ መስጎጊ ቦታታት ኪትከል ይደሊ። ደንማርክ በቲ ናይ ሕ.መ መደብ ክዎታ፡ ስደተኛታት ክትቅበል ከም ዘይኮነ ወሲና ኣላ። እቲ ናይ ወጻእን ናይ ውህደትን ሚኒስተርን ኣብ ሊበራል ፓርቲ ቨንስትረ ኣባል ዝኾነን ኢንገር ስቶይበርግ ነዚ ውሳነ ምኽንያት ኪህበሉ ከሎ፡ ብዙሓት …

Read More »

ፖፕኮርን (ዕምባባ) ገለ ጭላፋት ብረት ተረኺቡዎ

ኩፕ እተባህለ ትካል ነቲ ሓጺናት እተረኽቦ ፖፕኮርን ይመልሶ ኣሎ። ፖፕኮርን ኪብሃል ከሎ እቲ ኣብ ርሱን መቝሎ ምስ ገበርካዮ ቶግ ቶግ ዚብል ዘርኢ ዕፉን እዩ። እቲ ኣብ ባኮ እተዓሸገን ዚምለስ ዘሎን ፖፕኮርን ኣብ 2019-08-10፡ 2019-08-09፡ ከምኡውን 2019-09-19 ዚወድቕ እዩ። “ኩፕ ነዚ ጉዳይዚ ሓላፍነት ኪወስደሉ እዩ። ነቲ ጉዳይ ድማ ምስቲ ሰዳዲ ኮይኑ ኪምርምሮ እዩ” ይጽሕፍ ኩፕ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺኡ።

Read More »

ፖሊስ ብጭፍራ ገበነኛታት ይጥቃዕ – ውኖኡ የጥፍእ

ሓደ ፖሊስ ኣብ ሾቭደ ኣብ ገለ ናይ ባእሲ ኩነታት ብብርቱዕ ቆሲሉ። ርእሱ ተሃሪሙ፡ ኣስናኑ ድማ ተሰባቢሩ። ከምዚ ዓይነት ከቢድ ገበን ኩሉ ግዜ ዚፍጸም ኣይኮነን፡ ስለዚ ብዕቱብ መገዲ ኢና እንርእዮ ይብል ናይቲ ዞና ሓላፊ ፖሊስ ያን ሀልነቪ። ረቡዕ ሰዓት 8፡45 ምሸት ዝሰኸሩ ሰባት ኣብቲ ናይ ሾቭደ ሰንትሩም ከም ዝኣተዉ ሓበሬታ ተዋሂቡ። ኣብቲ ቦታ ድማ ፖሊስ ተላኢኾም። እቲ ኣብቲ ቦታ ዝበጽሐ ቀዳማይ …

Read More »

ሓደ ሰብ ኣብ ሁዲንገ ብጥይት ቆሲሉ

ኣብ ፍለሚግስበርይ ሁዲንገ ሓደ ሰብኣይ ብጥይት ቆሲሉ። ኣብቲ ቦታ ሰዓት 9፡30 ምሸት ናይ ተዅሲ ድምጺ ምስ ተሰምዐ፡ ብዙሓት ሰባት ፖሊስ ጸዊዖም። ብዙሕ ተዅሲ ነይሩ፡ ትብል ኣና ወስትበርይ ናይ ፖሊስ ቃል ኣቐባሊት። ብድሕርዚ ሓደ ብጥይት እተወቕዐ ሰብ ኣብ ሆስፒታል ሁዲንገ መጺኡ። ፖሊስ ነቲ ናይ ተዅሲ ቦታ ስለ ዘይፈለጡዎ ይደልዩዎ ኣለው። እቲ ፍጻመ ከም ከቢድ ገበን እዩ ዚቝጸር። ክሳዕ ሕጂ እተታሕዘ ሰብ …

Read More »

ኣብያተጽሕፈት ድሕሪ ተዅሲ ይግዕዛ

SamhälleTT ኣብ ስፖንጋ-ተንስታ ምዕራብ ስቶክሆልም ዚርከባ ኣብያተጽሕፈት ናብ ካልእ ቦታ ግዒዘን። ብመሰረት STV ዜና፡ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ሰብ ብተዅስን እምኒ ምድርባይን ሞኽ ምስ በለ እዩ። ኣብ ገሊኡ ድማ ኣብቲ ጥቓ መእተዊ፡ ነቲ ጎማ ማኪና ሓዊ ኣእቲዮሙሉ። እቲ ብመስከረም ኣብያተጽሕፈቱ ብተዅሲ እተረበሸ ማሕበራዊ ጉጅለ፡ ከም ናይ መንእሰያት ገበነኛታት-ነበር መዐረዪ እዩ ነይሩ። እቲ ትካል ነቶም ገበነኛታት ኣብቲ ቦታ ንኸይኣትዉ ይከላኸል ነይሩ፡ ድሓር …

Read More »

ሽልማት ኖበል፥ ንሓድሽ ርኽበት ሕክምና ካንሰር

ኣብዚ ዓመትዚ እቲ ርኽበት ሓድሽ ሕክምና ካንሰር ብፊዚዮሎጂ ወይ ብመድሃኒት ኪሽለም እዩ። ንገሊኣቶም ብካንሰር ዝሳቐዩ ሕሙማት እዚ ሓዲስ ሕክምና ዘይተጸበዩዎ ነዊሕ ዓመታት ከንብሮም ይኽእል እዩ። ነሓሰ 20115 እቲ ኣብቲ እዋንቲ 90 ዓመት ዝነበሮ ናይ ኣመሪካ ፕረሲደንት-ነበር ጂሚ ካርተር እቲ ካንሰሩ ካብ ቆርበቱ ናብ ጸላም ከብዱን ሓንጎሉን ከም እተዘርገሐ ነጊሩ ነይሩ። ኩሉ ኣብ ኢድ ኣምላኽ እዩ፡ ኣነ ኸኣ ንኹሉ ድሉው እየ …

Read More »

ሓደ ቆልዓ ብኸልቢ ተነኺሱ ሞይቱ –ምርመራ ተወዲኡ

ሓደ 15 ዓመት ዝዕድመኡ ቆልዓ ብኸልቢ ተነኺሱ ከም ዝሞተ። ንሱ ኣብ ናይ ፎስተርሀም ወይ ናይ መዕበያ ቤት ይቕመጥ ነይሩ። እቲ ናይ ማሕበራዊ ምምሕዳር ዩስናይበርይ ነቲ ምርመራኡ ዛዚሙዎ እዩ። ናይቲ ማሕበራዊ ምምሕዳር ድኽመት የርኢ። ግን ከኣ እቲ ማሕበራዊ ምምሕዳር ምስቲ ፍጻመ ምንም ምትእስሳር የብሉን ኪብል ሓቢሩ ናይ ኦረብሩ STV። ኣብቲ ዝገበርናዮ ምርመራ ኣብ መንጎ ኣሰራርሓናን እቲ ፍጻምን ምንም ምትእስሳር ከም ዘየልቦ …

Read More »

ሙሪንሆ በቲ ጸቕትታት ኣይተረበሸን

  ናይ ሆሰ ሙሪኖሆ ስራሕ ኣብ ሓደጋ ኣሎ ተባሂሉ ድሕሪ ድኹም ውጽኢትን ተገራጫዊ ኣርእስትን ኣብዚ እዋንዚ ነቲ ናይ ማንቸሰር ዩናይትድ ዓላማይ ኣብቲ ናይ ማንቸስተር ዩናይትድ ቻምፕዮን ሊግ፡ ሓያል ግጥም ምስ ቫለንስያ ይጽበዮ ኣሎ። ናይዚ ወርሓትዚ ናይ ማንቸስተር ዩናይትድ ምጅማር ደስ ዘብል ኣይነበረን። እቲ ናይ ሰንበት ምስ ወስት ሃም እተገብረን ብስዕረት እተዛዘመን ግጥም፡ ኣብቲ ናይቲ ፕረምየር ሊግ ግጥሚ ሳልስይ እዩ ነይሩ፡ …

Read More »

ሓደ ቆልዓ ኣብ ውሽጢ ቍስሉ እተሰፍየ ቍራጽ ዓለባ ስረኡ ተረኺቡ

ሓደጋ TT ናይ ኦርንሾልድቪስክን ናይ ሁዲንገን ማእከላት ጥዕና ንሓደ ወዲ 11 ዓመት ዝዕድመኡ ዚምልከት ሓበሬታ ተቐቢለን። እቲ ወዲ ናይ ብሽግለታ ሓደጋ ምስ ተጓነፎ ናይቲ ስረኡ ቍራጽ ዓለባ ኣብቲ ቍስሉ ኣትዩ። እቲ ወዲ ኣብ ናይዚ ዓመትዚ መወዳእታ ሓጋይ ኣብ ኦርንሾልስቪክ ናይ ብሽግለታ ሓደጋ ኣጋጢሙዎ፡ ኣብ እግሩ ድማ ቆሲሉ። ኣብቲ ማእከል ጥዕና ምስ ከደ ኣርባዕተ ስፋይ ተገይሩሉ። ይኹንምበር እቲ ቍስሊ ምሕዋይ ኣብዩ፡ …

Read More »
Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com