Saturday , May 11 2024

ሃገር ሽወደን 5000 ናይ ክዎታ ዕቝበኛታት ንኽትወስድ ትውስን

ካብ 1990 ጀሚሩ እቲ ዝለዓለ ክዎታ ሎሚ ዓመት እዩ። ኣብ 2018 ሃገር ሽወደን ክሳዕ 5000 ስደተኛታት ክትቅበል እያ። እቲ ስራሕ ከምቲ እተመደቦ ይካየድ ኣሎ። ክሳዕ ሕጂ እቲ ቝጽሪ ናብ 4000 በጺሑ ኣሎ፡ ክሳዕ ሕዳር ድማ ናብ 5000 ኪበጽሕ እዩ። ከምቲ ሚግረሽን ኣቐዲሙ ዝበሎ ሃገር ሽወደን ንምቕባል ክዎታ ስደተኛታት ብዚምልከት ኣብ ዓለም ሳልሰይቲ እያ። እቲ ክዎታ ኣብዘን ክልተ ዓመታት ካብ 1900 …

Read More »

መስኪናይ ህጻን!

ሓደ ሰብኣይ ንሓደ ሰለስተ ዓመት ዝዕድመኡ ህጻን ቀቲሉ፡ ይሕብር GT። እቲ ህጻን ምስ ብርቱዕ መውቃዕትን መጕዳእትን እዩ ዝሓለፈ ሰሉስ ናብ ስካራቦርይ ሆስፒታል ዝመጸ፡ ኣማስያኡ ድማ ሞይቱ። ብመሰረት ወብሳይት ፖሊስ፡ እቲ ቀታሊ ነታ ኣደቲ ዝሞተ ህጻን ይፈልጣ እዩ።  

Read More »

ኣብ መላእ ዓለም ሕማም ኣእምሮ ይሰፍን ኣሎ

ኣብ መላእ ዓለም ቍጽሪ ናይቶም ብሕማም ኣእምሮ ዚሳቐዩ ይልዕል ኣሎ። ኣብ መንጎ 2010-2030 ዘሎ ግዜ፡ እዚ ጸገምዚ ነቲ ዓውለማዊ ቁጠባ 16 ቢልዮን ዶላር ኪሳራ ከምጽኣሉ እዩ፡ ማለት ኣስታት 145 000 ሚልያርድ ክሩነር። ካብቲ እተባህለ ብዝሒ ገንዘብ፡ ንሕክምናን ንመድሃኒትን ዚሃልኽ ወጻኢታት እዩ። እዚ ቀጥታዊ ኪኸውን ከሎ፡ ዘይቀጥታዊ መገዲ ድማ ጸገማት ፍርያትን፡ ናይ ማሕበራዊ መነባብሮ ሓገዛትን መጠን ኣባላት ፖሊስን ክብ ኪብል እዩ፡ …

Read More »

ዮተብሪ: ግዳይ መጥቃዕቲ ካራ ሞይቱ

እቲ ቅድሚ ሰሙን ኣብ ማእከል ዮተብሪ ብኻራ እተወግአ ወዲ 20 ዓመት ዝኾነ ሰብኣይ ከም ዝዓረፈ ዮተቦሪ-ፖስተን ሓቢሩ። ሓደ 45 ዝዕድመኡ ሰብ ብጥርጠራ ተታሒዙ ኣሎ። እቲ ግዳይ ኣብ መገዲ እዩ ተጠቒዑ። ብድሕርዚ እቲ ኣጥቃዒ ናብ ሓንቲ እትጎዓዝ ዝነበረት ናይ ከተማ ባቡር ኣትዩ ነቲ ዘዋሪ ኣፈራሪሁዎ። እቲ ዘዋሪ ምስ ሓየሎ ግን ወሪዱ ናብ ኖርድስታን ማእከል ዕዳጋ ኣትዩ። ኣብቲ ዕዳጋ ንብዙሓት ሰባት ኣሰንቢዱ፡ …

Read More »

ናይ ኣፍሪቃ ብዕድመ ዝነኣሰ ቢልዮነር ተጨውዩ

ናይ ኣፍሪቃ ብዕድመ ዝነኣሰ ቢልዮነር፡ መሓመድ ደዊይ፡ ኣብታ ናይ ታንዛንያ ዝዓበየት ከተማ ዳር ኤስ ሳላም ብዕጡቓት ሰባት ከም እተጨውየ ዞባዊ ጸብጻባት ይሕብሩ። ብመሰረት ናይቲ ሃገር ኣመሓዳሪ፡ ፖል ማኮንዳ፡ ደዊይ በቶም ኣብ ክልተ ማኪና ኮይኖም ዝመጹን ኣብ ኣየር ዝተኮሱን ሰባት እዩ ተጨውዩ። እቲ 43 ዓመት ዝዕድመኡ መሓመድ ደዊ፡ ወናኒ ናይቲ 24000 ሰራሕተኛታት ዘለዎን ኣብ 12 ሃገራት ኣፍሪቃ ቢዚነስ ዘካይድን METL Group …

Read More »

ኣቦ ይኽሰስ – ንገዛእ ጓሉ 350 ግዜ ብምግሳሱ

ሓደ 50 ዝዕድመኡ ሰብኣይ ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ ዓመት ንጓሉ ብውሑዱ 350 ግዜ ስለ እተጋሰሳ ኣብ ናይ ካርማሽ ወረዳ ቤትፍርዲ ተኸሲሱ ኣሎ ይሕብር ባሮመተርን። እቲ ኣስታት200 ግበረስጋ ጌና ጓሉ 18 ዓመት ከይመልአት ማለት 14 ዕድመ ከለዋ እዩ ተፈጺሙ። ብድሕርዚ እቲ ግብረስጋ ንሰለስተ ዓመታት ቀጺሉ፡ ብድምሩ ድማ ብመሰረት ክሲ፡ ኣስታት 150 ምግሳስ ኣካዪዱ ማለት እዩ. ብዛዕባቲ ጓሉ ጌና 18 ከይመልአት ከላ ምስኣ …

Read More »

መጥቃዕቲ ኣንጻር ናይ ቁጠባ ገበነኛታት

ቁጠባዊ በዓልስልጣን፡ ፖሊስን ቤትጽሕፈት ቀረጽን ሰሉስ ንግሆ ኣብ እተፈለለየ ቦታታት ሽወደን ፍተሻ ኣካዪዶም። ብዙሓት ሰባት ብናይ ቁጠባ ገበን ተታሒዞም ኣለዉ። ብመሰረት እቲ ዚምርምር ዘሎ ምምሕዳር ቁጠባዊ ገበን (EBM)፡ ኣስታት 10 ሰባት ብናይ ቀረጽ ምትላል፡ ብናይ ሒሳብ ምስግጋር ገበን፡ ብናይ ገንዘብ ምሕጻብ (ማኒ ሎንድሪንግ)ገበን ተታሒዞም ኣለዉ። ናይ ሕጽበት ገንዘብ ገበን ኣዚዩ ዓቢ እዩ። ብመሰረት ጋዜጣዊ መግለጺ EBM እዞም እተታሕዙ ሰባት ነዳዲ …

Read More »

ውድድር ኦሎምፒክ መንእሰያት ዓለም  2022  ንኣፍሪቃ ተዋሂቡ

ሰኔጋል ናይ መጀመርያ ኣፍሪቃዊት ሃገር ብሙኻን ን ውድድር ኦሎምፒክ መንእሰያት 2022 ንከተዳሉ ተሓጽያ። ቅድሚ ሕጂ ዝኾነ ዓይነት ናይ ኦሎምፒክ ውድድር ተወሂብዋ ዘይትፈልጥ ኣፍሪቃ ሕጂ ን ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ዝካይድ ውድድር ብመንገዲ ሰኔጋል ትረኽቦ ዘላ። እዚ ውድድር ኣብ ሰለስተ ዓበይቲ ከተማታት ሰኔጋል ማለት ዳካር፣ ዴምኔዶን ሳሊን ዝካየድ ኮይኑ  ንኹሉ ዓይነት ስፖርት ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ኣብ ኩሉ ዓይነት ዝሳተፊ ኣተለታት ከእንግዳ …

Read More »

ኩዕሶ ሰክዔት ኣሜሪካ ዝልዓለ ኣታዊ ዘለዎ ዓውዲ

መጽሔት ፎርቢስ ኣብ ናይዚ ወርሒ ሕታማ ዝልዓለ ኣታዊ ዘለዎም ናይ ዚ ዓመት እዚ ስፖርታውያን እቶም ኣብ ኩዕሶ ሰክዔት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ (NBA) ዝነጥፊ ምኻኖም ሓቢራ። እዚ ዓውዲ ዓመታዊ ኣብቲ ሊግ ንዝጻወቱ ኣትለታት ዝኸፈሎ መጠን ገንዘብ፡ 3,574 ሚልዮን ዶላር ምዃኑ ኢዩ። (3.574 ቢልዮን ዶላር ማለት’ዩ) ኣብ ክለብ ጎልደን ስቴት ዎርዮር ዝጻወት ስቲፈን ኲሪ ዓመታዊ ብዝረኽቦ 37,457,154 ዶላር ብዝረኽቦ ኣታዊ ኣብ ቅድሚት …

Read More »

ወዮ ሙቐት ሓጋይ ኪምለስ እዩ ይብሃል ኣሎ

እምበኣር እቶም ሓጋይ እንፈቱስ ደስ ይበለና! ከመይሲ ካብ ሮቡዕ ኣትሒዙ እቲ ዋዒ ንኹላ ሃገር ኪሽፍና እዩ። እዚ ከም ልሙድ ብሪቲሽ ሳመር ማለት ሓጋይ እንግሊዝ እዩ ዚብሃል፡ ጸሓይ ዘላቶ ኸኣ እዩ። እቲ ዋዒ ዝሰፍነሉ እዋን ውሱን እኳ እንተ ኾነ፡ ኣብዚ ዓመትዚ ግን ንውሕ ዝበለ ይመስል። እቲ ዋዒ ኣብ ደቡባዊ ስዊድን ናብ 20 ዲግሪ ዚቀራረብ እዩ። ኣብ ሰሜን ግን ልዕሊ 10 ዲግሪ …

Read More »
Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com