Friday , April 26 2024
TT

ኣቦ ይኽሰስ – ንገዛእ ጓሉ 350 ግዜ ብምግሳሱ

ሓደ 50 ዝዕድመኡ ሰብኣይ ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ ዓመት ንጓሉ ብውሑዱ 350 ግዜ ስለ እተጋሰሳ ኣብ ናይ ካርማሽ ወረዳ ቤትፍርዲ ተኸሲሱ ኣሎ ይሕብር ባሮመተርን።

እቲ ኣስታት200 ግበረስጋ ጌና ጓሉ 18 ዓመት ከይመልአት ማለት 14 ዕድመ ከለዋ እዩ ተፈጺሙ። ብድሕርዚ እቲ ግብረስጋ ንሰለስተ ዓመታት ቀጺሉ፡ ብድምሩ ድማ ብመሰረት ክሲ፡ ኣስታት 150 ምግሳስ ኣካዪዱ ማለት እዩ.

ብዛዕባቲ ጓሉ ጌና 18 ከይመልአት ከላ ምስኣ ዝፈጸሞ ግብረስጋ፡ እቲ ክሱስ ብናይ ትሕተ ዕድመ ግብረስጋ እዩ ዚኽሰስ። እቲ ብድሕርዚ ዘካየዶ ምግሳስ ግን ከም ምስ ኣባል ቤተሰብ ግብረስጋ ምፍጻም ተባሂሉ ክሲ ዚምስረተሉ።

እቲ ሰብኣይ ኣብ ዝሓለፈ ሓጋይ 2017 እውን ነውሪ ዝመልኦ ጽሑፍ ንጓሉ ኣብ ማኪናእ ገዲፉላ እዩ፡ ብድሕርዚ ድማ ናይ ቅለት ጸርፍታት ልኢኹላ። በዚ ድማ ተኸሲሱ ኣሎ። 

 

 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com