Saturday , April 27 2024

ደብዳበ ናብ ዓዲ Brev till mitt land (ንመዘናግዕን ንመምሃርን) ቁ. 4

ዝኸበርካ ኣቦይ፥

ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልኩኻ፡ ናብ ካልእ ካምቢ ወሲዶምኒ። ግን ባላሶ እምበር ካምቢስ ኣይኮነን። እተን ናብኡ ዝወሰዳኒ፡ ናይቲ ሚግረሽን ሰራሕተኛታት እየን። ብእንግሊዝ እናተዛረባ ክሳዕቲ ካምቢ ምስ ወሰዳኒ፡ ብሓደ ዄንና ናብቲ ኣፓርትማ ደዪብና። ኣብ ኢደይ ባልጃይን ሓንቲ ጥቕልልቲ ፍርናሽን ነይራ። ኣብኡ ምስ ኣብጽሓኒ፡ ሓድሓደ ምኽርታትን ለበዋን ሂበን ገዲፈናኒ ተዓዚረን።

ነቲ ክፍልታት በብሓደ እናኸፈትኩ እንተ ረኣኹ፡ ሰብ የብሉ ኦም የብሉ። ናበይ ደኣ እዮም ከይዶም። ሰጕጎምዎም ዲዮም? ናብቲ ክሽነ ድማ ኣትየ። ኣብኡ መዝሓሊት (ፍሪጅ) ነይራ። ከፊተ ተዓዚበ። በዓል ፎርማጆን እንቋቚሖን ስጋን፡ ገለ እተኸሸነ መግብን ባሽኮትን ወዘተ. ተደርዲሩ ነይሩ። ጠምየ ስለ ዝነበርኩ፡ ዝበሉ ይበሉ ኢለ ሓንቲ ባሽኮቲ ኣልዒለ በሊዐ።

ደሓር ግን ትዝ ኢሉኒ። ቋንቋ ኪምሃሩ እዮም ወጺኦም ነይሮም። ኣማስያኡ ድማ በብሓደ ጥብ ጥብ እናበሉ ኪመጹ ጀሚሮም። እቶም ኣባላት ናይቲ ዝነበርናዮ ኣፓርትማ፡ እዞም ዚስዕቡ እዮም ነይሮም፥

– ሓደ ነቲ ኩነታት ተስፋ ዝሰኣነሉ ወዲ ደቡብ ሱዳን

– ክልተ ብተስፋ እተሰንጠቑ ደቂ ኢራቕ

– ፈረንጂ ዓርኪ ዝነበረቶ ክንዲ ጸድፊ ዝኸውን ናይጀርያዊ

– ሓደ ኣብኡ ይቕመጥ ነይሩስ፡ ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ ፍርሂ ካብኡ በሪሩ ዝጠፍአ (ጥብ ዘይበለ) ወዲ ምስራቕ ኤውሮጳ

– ኣነን ስግኣተይን

ዝኾነኾይኑ፡ ፈቲና ኣይፈቲና ክንላለ ጀሚርና። ቋንቋታት ኪሰባበሩ ጀሚሮም። ከይወዓልኩ ከይሓደርኩ በቲ ሽታ ናይቲ ናይጀርያዊ ዓሳ ዝመልኦ መግቢ ተረቢሸ። እቲ ሽታ ዓዲ ዘሕድግ እዩ ዝነበረ (ብዘይካ ካብ ዓዲ ስዊድን)፡ ይኹንምበር እቲ ናይጀርያዊ ሕያዋይ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ መወዳእታስ ምስኡ ክበልዕ እውን ጀሚረ።

ኣብቲ ኣፓርትማ ሓንቲ ሽቓቕ ብምንባራ፡ እታ ናይቲ ናይጀርያዊ ዓርኪ ኣብኡ ምስ ኣተወት ክትሕጸብን ክትኮሓሓልን ትድንጉየና ነይራ። ገለ ድማ ኣብኡ ምስ ኣተዉ ደሃይ የጥፍኡ ነይሮም። ገሊኦም ድማ ንሕና ክንሸይን እናተጸበና ንሳቶም ኣብኡ ኾይኖም ጥዒሙዎም እናደረፉ ይሕጸቡ።

ካብ ኩላቶም፡ ምስ ደቂ ኢራቕ እሳነ ኣሎኹ፡ ከመይሲ እቲ ባህሎም ምስ ናትና ይመሳሰል እዩ። ሓደ ካባታቶም ናይ ሳድም ሑሰን ስእሊ ኣብቲ መንደቕ ገይሩ ምስ ረኣኹ ግን፡ ገሪሙኒ። ንምንታይ ደኣዩ ዕቝባ ዚሓትት ዘሎ ኢለ።

እታ ኣብቲ ክሽነ ዝነበረት ፍሪጅ ናይ ሽድሽተ ሰባት መግብታትን ኣስበዛን ነይሩዋ። ኣብታ ፍሪጅ ነናትና መቐመጢ ቦታ ተዋሂቡና ነይሩ። ስርቂ ግን ኣብ ቦታኡ እዩ ነይሩ።

ሓደ መዓልቲ ቅልውቲ ደርሆ ገዚአ ኣብቲ ንዓይ እተሓዝአ ቦታ ፍሪጅ ኣቐሚጠያ፡ ንሰንበት ክበልዓ ድማ መደብ ኣውጺአላ። ግን ሰንበት መዓልቲ ኣብቲ ፍሪጅ ኣይነበረትን። ናይ ደራሁ ትንሳኤ ምውታን ኣሎ ድዩ ብምባል ከኣ ሓሲበ።

ደሓር ግን መን ከም ዝወሰዳን ከም ዘስነጋን በሪሁለይ። ክዛረብ ስለ ዘይደለኹ ከኣ፡ ኣብ ክንዲ ደርሆይ ዝቖራጥም፡ ነታ ፍጻመ ቆርጢመያ ስቕ ኢለ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com