Friday , April 26 2024

ኣብ ኸለፍተዮ ሰለስተ ሰባት ብናይ ምጭዋይ ገበን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኣትዮም

ገበን

ኣብ ኸለፍተዮ ዝሓለፈ ሰሉስ ሰለስተ ኣብ 20 ዓመት ዕድመ ዚርከቡ ሰባት ብናይ ምጭዋይ ገበን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኣትዮም፡ ይሕብር ዞባዊ ምንጪ

እዚ ምጭዋይዚ ኣብ ሓደ መንእሰይ እዩ ተፈጺሙ። ንሱ ብዘይ ድልየቱ ብማኪና ተወሲዱ። እቶም ስለስተ ጥርጡራትን እቲ እተጨውየ ሰብን ካብ ነዊሕ ጀሚሮም ዳርጋ ይፋለጡ እዮም፡ ይብል ፖሊስ ኸለፍተዮ ዮኣኪም ኦያ ኣብቲ ንኖራን ዝሃቦ ሓበሬታ።

እቶም ሰለስተ ሰባት ኪተሓዙ ዝኸኣሉ ዕጡቓት ፖሊስ መሳርያታቶም መዚዞም ኣብ ማእከል ከተማ ኸለፍተዮ ንሓንቲ ጸላም ማኪና ምስ ኣጥቅዑዋ እዩ።

እቶም ሰባት ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ምስ ኣተዉ፡ ሓደ ጥርጡር ብናይ ምጭዋይ ፈተነ እቶም ካልኦት ድማ ብምጭዋይን ብምግፋዕን ናይ ሕጊ ስርዓት ብምድፋርን እዮም ተኸሲሶም።

ሰለስቲኦም ነቲ ገበን ይኽሕዱዎ፡ ግን ኣብ ገሊኡ ሸነኻት ኣብቲ ናይ ማኪና ጕዕዞ ምስታፎም ይእመኑ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com