Friday , April 26 2024

ደብዳበ ናብ ዓዲ Brev till mitt land (ንመዘናግዕን ንመምሃርን)

ደብዳበ ናብ ዓዲ ቁ. 3

                                                                ብኣማኑኤል ሳህለ

ሓበሬታ፥ ሽሕኳ ኣብዚ ግዜዚ ኣብ ወጻኢ ዚቕመጡ ኤርትራውያን ኢመይል ወይ ፈይስቡክ ወይ ሞባይል/ቫይበር ብምጥቃም ምስ ቤተሰቦም ዝራኸቡ እንተ ኾኑ፡ እዚ ዓምድ’ዚ ግን ነቲ ኢመይል ወይ ሞባይል ብብዝሒ ዘይነበረሉ ግዜ ዚምልከት ኮይኑ፡ ንምዝንጋዕ ብማለት እውን ከከም ኩነታቱ ናይ ፈጠራነት ናጽነት ይጥቀም እዩ።

 

ናብ ዝኸበርካ ኣቦይ፣

ከመይ ኣሎ ዓዲ? ቤተሰብ ከመይ ኣለዉ? ኣነ ጽቡቕ ኣሎኹ ብዘይካ ክሊማውን ገንዘባውን ቍሪ። ገንዘባዊ ቍሪ ዝበልኩ ምናልባት ኣብ ሃገር ኤውሮጳ ኣትዩ ኢልካ ገንዘብ ስደድ ከይትብለኒ ብማለት እየ። ኣብዛ ዓለም ብዘይካ እዛ ባልጃይን እዛ ሻቕሎተይን ካልእ የብለይን። ሃብትን በሽበሽን ግን ክትመጽእ እያ፡ ትጽበየና እያ ዘላ። ግን ከኣ እዚ ናይዚ ዓዲ ቍሪ እምበርዶ ከስርሓና እዩ እናበልኩ እሓስብ። ከይንሰርሕ ድማ ቍሪ በእዳውና ከይትመጸና። ሓድሓደ ግዜ በጋጣሚ ብመቓብር ክሓልፍ ከለኹስ፡ ነቶም ኣብኡ ተደብዮም ዘለዉ፡ እዋይ መከረኛታት! ብቝሪ ከርዲዶም ይኾኑ እዮም እብል ብልበይ።

 

ሓደ ኣብቲ ዓዲ ዚቕመጥ ኤርትራዊ ክበጽሕ መጺኡስ ኣዛሪቡና። እዚ ዝረኣየኩም ዘሎ ጻዕዳ፡ ድሕሪ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ናብ ሓምላይ ኪልወጥ እዩ ኢሉና። እቲ ጻዕዳኸ ናበይ ኪኸይድ፡ ኢልናዮ። እንታይ እሞ ክገብረልኩም እዩ ብዘይካ ሸተት ከብለኩም፡ ኢሉና። እቲ በረድ ንዓና ደኣዩ ስለ እንፈርሆ ዘውድቐና እምበር፡ እቶም ደቂ ዓድስ ኣብ ልዕሊኡ ኪንሸራተቱ እዮም ዚውዕሉ። ስለዚ ኣብቲ ባይታ እንተ ተቐመጠ እውን ኣይጸልኡን እዮም።

 

ሓተትቲ ዕቍባ ዳርጋ ቀጻሊ እዮም ዚመጹ። ገሊኦም ግን ክትርእዮም ከሎኻስ ከክንዲ ጸድፊ ኢዮም ዝኾኑ፡ ካብ ገለ ሃገራት ኣዕራብ ዚመጹ እዮም መስለኒ። ነዚኣቶም ደኣ እንታይ ዕቝባ የድልዮም እብል ብልበይ። እዚኣቶምስ ኣዕቍቡና ምተባህሉ እምበር …………። ግን ከኣ እንታይ ከም ዘምጽኦም ኣይፈልጥን።

 

ኤርትራውያን ኣብ መግቢ ደሓን ኢና። ገለ ካብ ካልእ ሃገር ዝመጹ ኣብቲ ካፈተርያ ኪበልዑ ዝርእዮም ሰባት፡ መወዳእታ ዓለም ቀሪቡ እተባህሉ እዮም ዚመስሉ። ባህሊ ናይ ሰብ ብዙሕ እዩ። ገለ ድማ ብሞባይል ገይሮም ኪዛረቡ ኸለዉ፡ እቲ ዚዛረቡዎ ዘለዉ ኣብ ርሑቕ ዘሎ ሰብ ብዘይ ሞባይል ኪሰምዖም ምኸኣለ እብል። ኣብ ገሊኡ ባህሊ፡ ቀስ ኢልካ ምብላዕ፡ ህድእ ኢልካ ምዝራብ ኣይፍለጥን።

 

ሓደ ዝረሳዕኩዎ ነገር፣ እቲ ብጻየይ መጀመርታ መዓልቲ ምስ ተራኸብና፡ ሽጉርቲ ዘይንሕይኽ ኢሉኒ፡ ስለምንታይ እንተበልኩዎስ፡ ንፋስ ክትቅይር ከሎኻ ሽጉርቲ እንተ ዘይበላዕካ ትሓምም ኢኻ ኢሉኒ። ክንደይ ሃገራት ሰጊርና መጺእና፡ ኣብ ዘዝኸድናዮ ዲና ሽጉርቲ ክንበልዕ ኢለ ኣብየዮ። ሓንትስ ይቀበሉና እምበር፡ ሕማምስ ካብ ነፍስና ፈጺማ ክትጠፍእ እያ ኢለዮ።

 

ድሕሪ ሰሙን ግን ካብዚ መቐበሊ ካምቢ ወሲዶም ናብ ካልእ ካምቢ ኪወስዱና እዮም። ኣብኡ ዄንና ኢና ፍርድና እንሰምዕ። ግን ከኣ ንኤርትራውያን ኣይሰጉን እዮም ስለ ዚብሃል ከምቶም ካልኦት ማራ ኣይተሻቐልኩን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com