Saturday , May 11 2024
Jonas Ekströmer/TT

ዮተበሪ፡ ወጻኢታት ጸዓት ንምቚጣብ ሙቐት ክላሳት ከም ዝጎድል ክግበር እዩ።

ከተማ ዮተበሪ ወጻኢታት ጸዓት ንምቚጣብ፡ መጠን ሙቐት ክላሳት ኣብያተ ትምህርቲ ከም ዝጎድል ክትገብር እያ ተባሂሉ። ፖለቲከኛታት ዮተበሪ ን ጋዜጣ “ዮተበርስ-ፖተን’ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም እታ ከተማ መጠን ሙቐት  ካላሳት ኣብ ዊንተር ክሳብ 18ºC ከም ዝጎድል ክግበር እዩ። ከተማ ዮተበሪ ተህልኾ መጠን ጸዓት ኤለትሪክ ብ 5% ከም ዝጎድል ንምግባር፡ ቦርድ ምምሕዳር እታ ከተማ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ውሳነ ከም ዝበጽሐ፡ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com