Friday , April 26 2024

ደቀንስትዮ ደቡብ ኣፍሪቃ፥ ኣንጻር ጾታዊ ዓመጽ ዘተባብዑ ባህልታት ይቋወማ

ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ልዕሊ ዲጄ ፍሬሽ፡ ከምኡውን ዩፎኒክ ክሲታት ጾታዊ ዓመጽ ድሕሪ ምቕራቡ፡ ጾታዊ ምድፋር ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘስዕቦ ዘሎ ዕንወትን ንእኡ ዘሳሲ ዘሎ ባህልን ብዝምልከት ዘተ ከም ዝተኻየደ ተገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ፡ ሓንቲ ተቐማጢት ጆሃንስበርግ፡ ህቡባት ደቡብ ኣፍሪቃውያን ዲጄታት፡ ፍሪውሽን ዩፎኒክ፡ ኣብ ልዕሊኣን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰለስተ ደቀንስትዮን ጾታዊ ዓመጽ ምፍጻሞም ክሲ ኣቕሪባ ከምዝነበረት ይዝከር።

እቶም ዲጄታት፡ ኣብ ሓደ ለይታዊ ትልሂት ሰኺረን ንዝነበራ ደቀንስትዮ እዚ ዘነውር ተግባራት ምፍጻሞም ንጽባሒቱ ኸኣ በቲ ተግባራቶም ክዋዘዩን ክስሕቁን ከም እተራእዩ እያ ትኸስስ።

ክልቲኣቶም ተኸሰስቲ፡ ነቲ ተግባር ከም ዘይወዓልዎ ብምኽሓድ፡ ነተን ከሰስቲ “ብዝናና ክፍለጣ ዝደልያ ሓሰውቲ ” እየን ብምባል ከም ዘዋደቕወን ኣልጀዚራ ሓቢራ። እንተኾነ ግና እዘን ደቀንስትዮ ካብ ኣክቲቪስታትን ገለ ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያን ድጋፍ ብምርካበን ብዛዕባ ምድፋር ደቀንስትዮ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ንእኡ ዘተባብዕ ዘሎ ባህልን ዝምልከት ዓቢ ናይ ዘተ መኣዲ ከፊተን ከምዘለዋ ተፈሊጡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com