Friday , April 26 2024

ደብዳበ ናብ ዓዲ ቍ 6

ናብ ዝኸበርካ ኣቦይ

ሓደ ነገር ከይነገርኩኻ ሓሊፈ ነይረ፡ ንሱ ድማ ብዛዕባ ሕክምና እዩ። ኣብዚ ዓዲ ኣብ ጥዕና ዘለዎም ትዅረት ዘገርም እዩ። ንኣና ሓልዮምልና ይኹን ወይ ድማ ከይንልክሞም ግዲ ፈሪሆም ኮይኖም፡ ተሓከሙ፡ ተመርመሩ በሃልቲ ኢዮም።

ግን ናይ ኤድስ መርመራ ምግባር ግድን እዩ። ደምና ወሲዶምልና ኣለዉ፡ ኣብቲ ደም እንታይ ከም ዚረኽቡ ግን እዝጊ ዋንኡ። ገሌና ብፍርሂ፡ ገሌና ድማ ዝመጸ ይምጻእ ብዚብል መንፈስ ንጽበ ኣሎና። ገለ ካብቶም ብጾትና፡ ውጽኢት ናይቲ መርመራ ምስ ደንጎዮም፡ ኤድስ ኣሎኩም ከይብሃሉ ብዙሕ ሰጊኦም። ዝሓለፈ መንእሰያዊ ህይወቶም ድማ ብዝርዝር ኪፍትሹዎ ፈቲኖም።

ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን ጀሚረ። ኣብቲ ክላስ ብዙሓት ዓሌታት ኣለዉ፥ ኢራቃውያን ኩርዳውያ፡ ገለ ቻይና ዚመስሉ፡ ገለ ድማ ንዓና ዚመስሉ። ኩላቶም ግን ነቲ ቋንቋ ብጥርጠራ ዚርእዩዎ እዮም ዚመስሉ። ንኣብነት፡ ሓደ ወዲ ኢራቅ፡ ነቲ Dig ዚብል ቃል፡ ከም ደይ ጌርካ ኣድምጾ ምስ ተባህለ፡ ነቲ De ዚብል ቃል ድማ ከም ዶም ጌርካ ኣንብቦ ምስ ተባህለ፡ ነቲ ትምህርቲ ከቋርጾ ከም ዝደለየ ነቲ መምህር ሓቢሩዎ። ግን ገንዘብ ድማ ኪጎድሎ ምዃኑ ምስ ኣስተብሃለ፡ ደይ ገፊፎም ወላ ዳይ ይበሉዎ፡ ዶም ገዲፎም ድማ ዲም ይበሉዎ ብማለት፡ ኢዱ ሂቡ፡ ትምህርቱ ድማ ቀጺሉ። ሰኣን ደይ ምባልዶ ክሩነርካ ኪጎድለካ ኾይኑ!!

ሓንቲ ዕብይ ዝበለት ሰበይቲ፡ ትራገም ነይራ። ካብቲ ቁሪ ዓዲ ሽወደን፡ እቲ ቋንቋ ከፊኡዋ። ”ኣንታ እቲ ቁርስ ኣብ ገዛ ኣቲኻ ትከላኸሎ፡ እዚ ቋንቋ’ዝስ እንታይ ክትገብሮ ትኽእል?” ትብል ነይራ። ይኹንምበር ኣብ በረድ ሸተት ኢላ ምስ ወደቐትን እግራ ምስ ተሃስየትን፡ ብተዛማዲ መገዲ ነቲ ቋንቋ ክትፈትዎ ጀሚራ።

ገለ ሰብ ኣሎ ቋንቋ ዘይኮነሉ። ኣብ ገለ ኤርትራውያን ቤተሰብ ዝረኣኹዎ ገሪሙኒ። እታ ኣደ ተጸዊዓ ናብቲ እቲ ወዳ ዚምሃረሉ ቤትትምህርቲ ክትከይድ ከላ፡ እቲ ወዲ 6 ዓመት ውላዳ እዩ ከም ተርጓሚ ወይ ቶልክ ኮይኑ ዚሕግዛ። ሓደ ሰብ ቋንቋ ንኪመልኽ፡ ከም ቆልዓ ቆሊባ ኪኸውን ይግብኦ!!

ሓደ ድማ ኣብዚ ዓዲ ዓመት እተቐመጠ፡ ነቲ ናብ ሚግረሽን ብትግርኛ ዝጸሓፎ ደብዳበ ኣርእዩኒ። ናብ ሽወደን ዚትርጉመሉ ሰብ እዩ ደልዩ። ይኹንምበር፡ እቲ ደብዳበ ኪጅምር ከሎ ”ናብ ዝኸበርካ ሚግረሽን፡ ከመይ ትኸውን ……….. ” ይብል። እዚ ሰብዚ፡ ኩሉ እዩ ዘይፈልጥ፥ ትግርኛ፡ ሽወደንኛ፡ ከምኡውን ብዛዕባ እንታይነት ሚግረሽን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com