Saturday , May 11 2024
Credit: Anders Wiklund/TT

ድሕሪ ኲናት ዩክሬይን ኣብ ሽወደን ዝውውር ኣቕራሽን ሳናቲምን ክብ ኢሉ።

ዝሓለፈ ዓመት ድሕሪ ዝጀመረ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን፡ ኣብ ሽወደን ኣብ ዝውውር ዝርከብ መጠን ገንዘብ ክብ ምባሉ ስታቲስቲክስ ሽወደን ኣመልኪቱ። ብፍላይ ኣብ ኣዋርሕ ለካቲትን መጋቢትን ናይ ዝሓለፈ ዓመት፡ ምጥቃም ሳናቲምን ኣቕራሽን ብ ዳርጋ 8% ወሰኽ ኣርእዩ ምንባሩ፡ እዚ ድማ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመት ዝተራእየ ዝዓበየ ወሰኽ ዝውውር ገንዘብ ምዃኑ እቲ ስታቲስቲክስ ወሲኹ ኣመልኪቱ።

“ብምኽንያት ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን፡ ሰባት ጽቡቕ ናይ ክፍሊት ኣገባብ ከም ዝድልዮም ዝያዳ ግንዛበ ኣሕዲሮም ኣለዉ” ክብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ “ስከቭደ” ተሓባብሪ ፕሮፌሰር ኢንፎርማቲክስ ዮአሪ ቫን ሌሪ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com