Friday , April 26 2024

ገላጺ ምንቅስቓስ

ኣብ ጉዕዞ ህይወትና ምስ ኣዕሩኽትና ኮነ ምስ ኣባላት ስድራቤትና ከም መረዳድኢ እንጥቀመሉ ቋንቋ ብኣፍና እነውጽኦ ቃል ጥራይ ዘይኮነ፡ ብገላጺ ምንቅስቓስ’ውን ንሓድሕድና ንረዳዳእ ኢና። ከም መረዳድኢ እንጥቀመሎም ገለጽቲ ምንቅስቓሳት ካብ ባህሊ ናብ ባህሊ ኮነ፡ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ነናቶም ዝተፈላለየ ትርጒም ክህልዎም ይኽእል።


ስነ-ጥንቲ ዘጽንዕ ሮበርት ባካራት ኣብ ሃገራት ኣዕራብ 247 ገለጽቲ ምንቅስቓሳት ከም ዘለዉ ይገልጽ። ንኣብነት፡ ኣብ ኣዕራብ ርእስኻ የማነ ጸጋም ምንቕናቕ እወ ዝብል
ትርጒም ክህልዎ እንከሎ፡ ኣብ ሃገርና ግዳ ኖእ ወይ ኣይፋል ዝብል መልእኽቲ የስምዕ። ኣብ ጆርዳን
ብየማናይ ዓባይ ዓባይቶ ኢድካ ብቕልጡፍ ምንቅስቓስን ርእስኻ ክትፍሕፍሕ ከለኻን ገንዘብ የብለይን ትብል ከም ዘለኻ ይትርጎም። ኣብ ሰሜን ኮርያ ናብ ገጽ ጓል እንተ ኣትኪኽካ፡ ከም ዝበሃግካያ ይግለጽ። ኣብ ሊብያ ሰብኡት ምስ ጽብቕቲ ጓል ክዘራረቡ እንከለዉ፡ ጫፍ ኣመልካቲቶ
ኢዶም ናብ ምዕጉርቶም የጸግዑዎ። ኣብ ስዑዲ ዓረብ ምስዓም ርእሲ ሰብኣይ ከም ምልክት ይቕረታ የስምዕ።


ጋዜጠኛ ፕሮፈሰር ሮገር በነት ‘ናይ ሰባት ንቕሓት ዘይምህላው ዘይልሙድ ላግጺ መግለጺታት ይፈጥር’ዩ’ ይብል። ብፍላይ ሓደ ሰብ ክሕሱ እንከሎ፡ ቅልጡፍ ናይ ዓይኒ ምንቅስቓስ ይገብር። ኣብ ሓንቲ ካልኢት ከኣ ልዕሊ ሽድሽተ ግዜ ዓይኑ ሰም-ሰም የብል ብምባል ይገልጽ። ዶክተር ፍራንዝን ቤቲ ባምብልን ድሕሪ ዘካየዱዎ ናይ ዓሰርተ ዓመት መጽናዕቲ፡ እቲ ቐንዲ ፍሉጥ ገላጺ ምንቅስቓስ ናይ ኢድ ሰላምታ ምዃኑ ይገልጹ።
ጥንታውያን ግሪኻውያን ናይ ኢድ ሰላምታ ንዝኾነ ሰብ ይልግሱሉ ነበሩ። ጥንታውያን ሮማውያን ድማ፡ ብደረጃ ዕብየት ጣኦታት ንጽቡቕ ዕድል ይጥቀሙሉ ነበሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com