Friday , April 26 2024

ጋሻ ተቐበሉ! (The Lighter Side of Wedding Feasts)

 (ድሕሪ ብዙሕ ፍልስፍና፡ ንመዘናግዒ ተባሂሉ ዝቐረበ)

ብ ኣማኑኤል ሳህለ

            ሰንበት ሰዓት ሓደ ድሕሪ ቀትሪ። ኣብ 80ታት እዩ። ዕዱማት ናብዝን ናብትን ይብሉ። ገሊኦም ኣብ ካልእ መርዓ ዝጸንሑ እዮም። ኣይመጸን፡ ኣየጽሓፈን… ከይብሃሉ እዮም ናብቲ ዳስ ዚኣትዉ ዘለዉ። ገሊኦም’ውን ብሓድሓደ ናይ ኣስታማኮ ጸገማት፡ ጸብሒ ኪበልዑ ስለ ዘይክእሉ፡ ከፊሎም ንምኻድ እዮም ካብ ርሑቕ ቦታ መጺኦም ዘለዉ።

ኣብታ ዝሓለፈት መዓልቲ፡ ኣብቲ ጥቓ ዳስ ብዕራይ ተሓሪዱ ነይሩ። ደምን ፈርስን ካልእ-ማልእን ነቲ ማርሻበዲን ጽርግያን ኣጋዕዚዩዎ። ንደማሙን ኣኽላባትን ድማ ምቹእን፡ ራህዋ ዝመልኦን መዓልቲ ኮይኑዎም ውዒሉ። ጥርን ለካቲትን ነዞም እተጠቕሱ እንስሳታት ሰናይ ዘመን እዩ ዘመልክት።

እቲ ዳስ ንኺትከል ብዙሕ ገልታዕታዕ እዩ ነይሩዎ። ካብቶም ሚኒዋለ፡ እቶም ኢምብረዛ ይበዝሑ። ካብቶም ነዳቖ፡ እቶም ኢንጂነራት ይዛይዱ። ካብቶም ዚሰርሑ፡ እቶም ዚሰትዩ ሓለፋ ይዛረቡ። ኩሉ ኣፉ ዘዝሃቦ የዝንብ። ግንቢ ባቤል ዚሰርሑ ዘለዉ እዮም ዚመስሉ።

“ኣንታ በዚ እንዶ ስሓቦ…… ኣይፋልካን ናባይ ግደፎ……”

ዳስ ተሰላሊሙ ንዕዱማት ድሉው ምስ ኮነ፡ ሙዚቃ ይፍኖ፡ ቈልዑ ድማ ኣብቲ ቦታ ብብዝሒ ይረኣዩ። ገንዘብ ዚቕበል ሰብ ደብተሩ ከፊቱ ጥፍሑ ኣብ ጐድኑ ገይሩ ቦታኡ ሒዙ ዚወጹ ዕዱማት ይጸናቶ። ሳሬት፡ ዓለባኣ ምስ ሰርሐት ዚኣትዉ ኣጋይሽ እምበር ዚወጹ ኣይትፈቱን። ኣብ መርዓ ግን፡ ብኣንጻሩ እቶም ዚወጹልካ እዮም ዚፍተዉ።

“ጋሻ ተቐበል” ዚብል ድምጺ ይቃላሕ። ብብርቱዕ ናይ ሙዚቃ ድምጺ ድማ ይትካእ።

ኣብቲ ዳስ ተመሪሕካ ምስ ኣቶኻ፡ ምስ መን ኮፍ ከም እትብል ኣምላኽን ምድራዊ ዕድልካን ጥራይ እዩ ዚውስኖ። ዕድልካ እንተ ኣጸቢቑዎ፡ ምስ ከማኻ ዝመስሉ ሰባት ኮፍ የብሉኻ። እንተዘይኮይኑ ምስ ዘይትደልዮም ሰባት (ጸላእትኻን ተጻባእትኻን ወደረኛታትካን) እውን ፊት ንፊት የቐምጡኻ እዮም።

            ሓደ መዓልቲ ይዝከረኒ፡ ኣብ መርዓ ተዓዲመ ኮፍ ክብል ምስ ተነግረኒ፡ ምስ ጐሓሉን ቀተልቲ-ሰብ ዚመስሉን ሰባት ተቐሚጠ። ሓደ ካባታቶም ኪብኣስ እዩ ሓዲሩ መስለኒ፡ ካሚቻኡ እተቐደደን ገጹ እተላሕጸጸን ነበረ። ክልተ ድማ ኣብ እምባጋሮ ሓደ ወይ ክልተ ኣስናኖም  ስኢኖም ከይኣኽሎም ኣዒንቶም’ውን ሓቢጠን ነበራ።   እንታይ ኢለ ከም ዝዛረቦም ጠፊኡኒ። ምናልባት ከም በዝባዚ ንኡስ ቡርዣ ገይሮም ወሲዶምኒ ይኾኑ እዮም።

            “ብርትዕቲ ጸሓይ ኣላ” በልኩ ዘረባ ጠፊኡኒ።

            “ስዋ እያ ፈውሳ” ዚብል ሓጺር መልሲ ድማ ተቐበልኩ።

            በጋጣሚ ሓሙሽተ ስለ ዝነበርና፡ ምግቢ ኣይመጸን። ስዋ ግን ይስተ ነይሩ። ድሕሪ ቅሩብ ትጽቢት፡ መበል ሻድሻይ ሓደ ቀሺ ተጸምበሩና።

            ገና ክልተ ነፍሳት ክንጽበ ነይሩና ሸሞንተ ንኽንመልእ። ግን ገለ መስተውዓልቲ ኣጋፈርቲ፡ ተሃዊኽና ግዲ ርእዮምና ኾይኖም፡ ተቐላጢፎም መግቢ ኣምጺኦምልና። ተመስገን ፈጣሪ።

            “ሸሞንተኳ ዘይመላእና።” ሰምበዱ ኣቦይ ቀሺ።

            “ደሓን እንታይ ኣለዎ” መለሹ ኣኣንገድቲ።

            “ባርኹዎ ኣቦይ ቀሺ” ነብሑ እቶም ጐሓላሉ ዚመስሉ መንእሰያት፡ ነቲ መለሊኾም ሓፍ ኣቢሎም።

            ኣቦይ ቀሺ ግን ኩነታቱ ደስ ኣይበሎምን። ናበይ እሞ ይኺዱ።

            መግቢ መጸ። ተፈትፊቱን ተባዒጡን ተጸብሐ። እንጌራ ተባሪኹ ምስ ተቘርሰ እቶም ኣጕባዝ ከተማ ነቲ ጸብሒ ህጁም/ሳቮያ ኣተዉዎ። ኣቦይ ቀሺ ጋኔን ዝረኣዩ መሲልዎም መስቀሎም ከውጽኡ ቅሩብ ተረፎም።

            “ንብላዕ ደኣ” ዚብላ ሰበይቲ ኸኣ ነይረን ኣብ መንጎና። ኣብቲ ኩነታት’ቲ እቲ ምሕጽንታአን ትርጉም ስኢኑ ነበረ። ኣይትብልዑ ማለተን ደኾን ይኸውን? ንኣዛብእ’ዶ ብልዑ ትብሎም ኢኻ?

            “ትማሊ ነታ ጓልዛ ኸልቢ ዝገበርኩዋ…” ጀመረ ሓደ ካብቶም ዓዋሉ ኣፉ ብመግቢ ተተኽቲኹ።

            “ኣንቱም ሰባት፡ በስምኣም ኢልና ዘይንበልዕ” ቃነዩ ኣቦይ ቀሺ፡ ጭሕሞም እናፈተጉ።

            “ኣታ በዓል ስዋ፡ ቢኮሎ፡ ንዓባ ቅድሓልና፡ ነቦይ ቀሺ ድማ ኣይትረስዓዮም” ጨረሐ ሓደ ካብቶም ኣጕባዝ።

            “ናትካ ደኣ ግበር ‘ዝወደይ” ኰረዩ ኣቦይ ቀሺ ቅጭ መጺኡዎም።

            “ብልዑ ድኣ እዞም ደቀይ” ነቀዋ እተን ቀስ ኢለን ዚበልዓ ዝነበራ ሰበይቲ። ኣብ ካልእ ዲየን በሊዐን መጺአን? ኣብ ቅድሚአን እኮ ናብ ሓሰማታት ተቐዪርና!

            ኣደ ካብቶም ኣጕባዝ፡ ኣጽፋሩ ሽቶል እዩ ዚመስል። ይበልዕ ኣይኮነን ነይሩ፡ የግዳስ ነቲ መግቢ ተተሰኪሙ ናብ ከብዱ እዩ ዘሰጋግሮ ነይሩ። ነቲ ኢዱ ከም ክሬን ወይ ሪባልቲኒ ወይ ፎርክሊፍት እዩ ዚጥቀመሉ ነይሩ። ቅልጡፍ ቪያጆታት ድማ የካይድ ነይሩ።

            “ንብላዕ ደኣ…” ደጋገማ ዘይጽልአንን ዘይደኽማን ጕዳም ሰበይቲ።

“ጋሻ ተቐበሉ” ጨደሩ ኣጋፈርቲ። ነቶም ምሳና ተቐሪቦም ዝነበሩ ምስ ረኣኻ፡ ሓድሓደ ግዜስ፡ ኣዛብእ ተቐበሉ ምባል’ውን ኣየኽፍእን እዩ በልኩ ብልበይ።

            እቲ ኣብቲ ዳስ ዚኣቱ ዝነበረ ሰብ፡ ዓርከይ እዩ፡ ኣበይ ኮን ኮፍ ከብሉዎ እዮም ብምባል ከማዕዱዎ ጀመርኩ።

            “ናዓ ናብዚ፡ ሽዱሽተ ጥራይ ኢና ዘሎና፡ ሻብዓይ ክትኮነና” በልናዮ ብሓበራ። ሕራይ ኢሉ ምሳና ኮፍ በለ።

“ኣንታ በዓል ስዋ፡ ምቕዳሕ ኣይትሕመቕ፡ ተመሃራይ ዲኻ ሓቀይ?” በለ በዓል ሓባጥ ዓይኒ።

            “እወ” በለ እቲ ነታ መዓልቲ እቲኣ ስዋ ክቐድሕ ተሸይሙ ዝነበረ ቈልዓ።

            “እንታይ ክፍሊ ትመሃር…? ምልኣዮ’ባ ቢኮሎ” ኣብ መንጎ ኣተወ በዓል ቅዳድ ካምቻ።

“እዛ ጽራይ ልክዕ ከም ናይ ቅዱሳን እያ እትጥዕም…. ትማሊኮ ብድሕሬኽን ጌረላየ” ሓበረ በዓል ሕንዚዝ ዓይኒ።

            “ኣንቱም ሰባት በስምኣብ ኢልና ዘይንበልዕ” ኣጕረምረመ ሓደ ንዘረባኦም ምጽዋሩ ዝሰኣነ ዕዱም።

            “ኦ! ኣታ ንኺደሎም” ገዓረ በዓል ቀዳድ ካሚቻ ከብዱ ስለ ዝመልአት።

            በዚ ኸኣ፡ ሰለስቲኦም ስዋኦም ገልጢሞም፡ ብሓደ ተንሲኦም ተዓዝሩ። ተመስገን ፈጣሪ።

            “ጋሻ ተቐበሉ፡ ጋሻ ተቐበል” ጨደረ ኣቦ ዳስ።

            ሓሙሽተ ብጾት እዮም። ኣበይ ኮፍ ከም ዚብሉ ጠፊኡዎም ተዓኒዶም ነበሩ። ኩላቶም ብሓደ እዮም። ክልተ ኣዋልድን ሰለስተ ኣወዳትን።

            “ኣብዚ ኮፍ በሉ።” ሓበረ ሓድ ኣፉ ብመግቢ ተተዅቲኹ።

            “እሞ፡ ትሽዓተ እንዶ ደኣ ኮይንና” ኣስተብሃለ ሓደ ካባና።

            “ዓለም ትሽዓተ ዘይትመልእ ዓሰርተ።” ሓደ ሓንጎሉ ብጌሶ እተወረረ።

            “በስምኣብ በወልደ ……” ኣዜሙ ኣባ ቀሺ።

            “እሞ ዓሰርተ ክሳዕ እንኸውን ንጽናሕ” ርእይቶ ሃበ ሓደ ሓምሳይ ዋንጫ ዓቲሩ ዝነበረ ብጻይ።

“ዓለም ትሽዓተ እኮ ኢለካ እየ” ገዓረ እቲ ሰኺሩ ዘሎ።

“እሞ ዓሰርተ ትኹን እየ ዝብለካ ዘለኹ” ሓንሓነ እቲ ብስዋ ደንዚዙ ዘሎ።

            “ደሓን ዲዩ እዚ ዓዲ” ተገረሙ ኣቦይ ቀሺ።

            “ንብላዕ ደኣ…” ቀጸላ ዘይምነወን ኣደ።

            “ንእሽቶኡ ዓቢኡ ኩሉ ተለኺፉ። ነቲ ባህሊ ድማ ተዓጢቕኩምሉ መታን ክትዘርጉዎ” ጓዘሙ ኣቦይ ቀሺ እናተንስኡ።

            “ብልዑልና ስተዩልና” ደጋገሙ ኣቦን ኣደን መርዓዊ እናዘሩ።

“ንብላዕ ደኣ….” ነቀዋ ዘይስልችወን ኣደ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com